ንመጽሓፍ “ፍቕሪ ኣምላኽ” መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ ብኸመይ ንጠቐመላ፧
1. ዕላማ መጽሓፍ “ፍቕሪ ኣምላኽ” እንታይ እዩ፧
1 ኣብቲ “ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምርሑ” ዘርእስቱ ኣኼባ ኣውራጃ፡ ነታ “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ” ዘርእስታ ሓዳስ መጽሓፍ ብምቕባልና ኣዚና ተሓጒስና ኢና! ከምቲ ሽዑ ብምልክታ እተነግረ፡ እዛ መጽሓፍ እዚኣ መሰረታዊ ሰረተ-እምነት መጽሓፍ ቅዱስ ንምስትምሃር ዘይኰነስ፡ ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ኣካይዳ ዘውጽኦ ስርዓታት ንኽንፈልጦን ንኸነፍቅሮን ንኽትሕግዘና እያ ተዳልያ። ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ኻብ ቤት ናብ ቤት ኰነ ኣብ መገዲ ኣብ ዚግበር ምስክርነት ኣይከነበርክታን ኢና።
2. ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ብኸመይ ክንጥቀመላ ኢና፧ ምስ መንከ፧
2 ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ኣጽኒዖም ምስ ወድኡ፡ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸም ካልአይቲ ናይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ኰይና ኸተገልግል እያ። ሰባት መንፈሳዊ ዕቤት ዚገብሩሉ ደረጃ እተፈላለየ ምዃኑ ኣይንረስዕ። ነፍሲ ወከፍ መጽናዕቲ ንዓቕሚ እቲ ተመሃራይ ኣብ ግምት ብምእታው ኪምራሕ ኣለዎ። እቲ ተመሃራይ ነቲ ትምህርቲ ብንጹር ከም እተረድኦ ነረጋግጽ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ኻብ ሓንቲ ንላዕሊ መጻሕፍቲ ዘጽንዑ እሞ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ዘይካፈሉ፡ ምስቲ እተማህርዎ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ተሰማሚዖም ኪነብሩ ኸም ዘይደልዩ ብንጹር ዘርኣዩ ሰባት፡ በዛ መጽሓፍ እዚኣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንጅምረሎም የብልናን።
3. ሕጂ ብመጽሓፍ ንኣምላኽ ኣምልኽ ነጽንዕ እንተ ኣሊና እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧
3 ብመጽሓፍ ንኣምላኽ ኣምልኽ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትመርሕ እንተ ደኣ ኣሊኻ እሞ ኣብተን ናይ መወዳእታ ሒደት ምዕራፋት እንተ በጺሕካ፡ ነታ መጽሓፍ ክትውድኣ፡ ነቲ ተመሃራይ ከኣ ንመጽሓፍ “ፍቕሪ ኣምላኽ” ባዕሉ ንኼንብባ ኸተተባብዖ ኽትውስን ትኽእል ኢኻ። እንተ ዘይኰይኑ ግን፡ ናብታ ሓዳስ መጽሓፍ ብምስጋር ካብ መጀመርታ ምጅማር ዝሓሸ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዛዕባ መመላእታ ጽሑፍ ልክዕ ከምቲ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ እንገብሮ፡ ንዅነታት እቲ ተመሃራይ ኣብ ግምት ብምእታው እዩ ዚውሰን።
4. ተመሃራይና ነተን መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር ከምኡውን “ፍቕሪ ኣምላኽ” ዚበሃላ መጻሕፍቲ ቕድሚ ምውዳኡ እንተ ደኣ ተጠሚቑ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧
4 ሓደ ተመሃራይ ንኽልቲአን መጻሕፍቲ ቕድሚ ምውዳኡ እንተ ደኣ ተጠሚቑ፡ ንመጽሓፍ “ፍቕሪ ኣምላኽ” ክሳዕ ዚውድእ እቲ መጽናዕቲ ኪቕጽል ኣለዎ። እቲ ተመሃራይ እንተ ተጠምቀ እውን ሰዓትን ተመላሊስካ ምብጻሕን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ክትምዝግብ ትኽእል ኢኻ። ምሳኻ ዀይኑ ኣብቲ መጽናዕቲ ዚሳተፍ ኣስፋሒ እውን ሰዓት ኪምዝግብ ይኽእል እዩ።
5. ንመጽሓፍ “ፍቕሪ ኣምላኽ” ነቶም ንገለ ግዜያት ኣብ ኣገልግሎት ዘይተኻፈሉ ኣስፋሕቲ ንምሕጋዝ ብኸመይ ክንጥቀመላ ንኽእል፧
5 ምስ ሓደ ኣብ ዕዮ ስብከት ዘይንጡፍ ዝዀነ ሰብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትመርሕ ብኣባል ኮሚተ ኣገልግሎት ጉባኤ እንተ ተመዲብካ፡ ካብ መጽሓፍ “ፍቕሪ ኣምላኽ” እተወሰነ ምዕራፋት ንኸተጽንዖ ኺንገረካ ይኽእል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ መጽናዕቲ ንነዊሕ ግዜ ኪቕጽል የብሉን። ኣብዛ ኣብ “ፍቕሪ ኣምላኽ” ንኽንጸንዕ ክትድግፈና ተባሂላ እተዳለወት ሓዳስ መጽሓፍሲ፡ ኣየ ኸመይ ዝበለ ሰናይ መሰናድዎ ዀን እዩ ዘሎና!—ይሁዳ 21።