ብብሕትን ብስድራ ቤትን ዚግበር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣገዳሲ እዩ!
1. ኣብዚ ግዜ እዚ ኣመሓዳሪ ኣካል ብዛዕባና እንታይ ብፍላይ ዜተሓሳስቦ ነገር ኣሎ፧ ስለምንታይከ፧
1 ሕጂ ዘሎ ኣመሓዳሪ ኣካል፡ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣካል፡ ድሕንነት ህዝቢ የሆዋ ብዙሕ የተሓሳስቦ እዩ። (ግብ. 15:6, 28) እቲ ብርቱዕ ጸበባ እናቐረበ ኣብ ዚኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ኵሉ ኣስፋሒ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ የሆዋ ድልዱል ርክብ ኪህልዎ ኣለዎ። እቲ ኣቐዲሙ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ጉባኤ እትጥቀመሉ ዝነበርካ ግዜ ብኸመይ ክትጥቀመሉ ኢኻ፧ ኵላትና ነዚ ግዜ እዚ ንናይ ስድራ ቤት መጽናዕቲ ኽንጥቀመሉ ምትብባዕ ተዋሂቡና እዩ። ነዚ ግዜ እዚ ብጥበብ ምጥቃምና፡ ነቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ኣዕሚቝና ኽንኵዕትን ካብኡ ህይወት ዚህብ ማያት ንኸነውጽእን የኽእለና።—መዝ. 1:1-3፣ ሮሜ 11:33, 34
2. ከመይ ጌርና ኢና ብስድራ ቤት ኣምልኾ እንገብረላ ምሸት ክንሰርዕ እንኽእል፧
2 ብስድራ ቤት ኣምልኾ ዚግበረላ ምሸት፦ ርእስታት ስድራ ቤት፡ ትርጕም ዘለዎን ስሩዕን መደብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ስድራ ቤት ንኺግበር ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘለዎም ሓላፍነት ንኺስከሙ ምትብባዕ ተዋሂብዎም ኣሎ። (ዘዳ. 6:6, 7) ሓላፍነታት ስድራ ቤት ዘይብሎም ንጽል ኣሕዋትን ኣሓትን ነዚ ግዜ እዚ ንብሕታዊ መጽናዕትን ምርምርን መጽሓፍ ቅዱስ ኪጥቀሙሉ ይኽእሉ እዮም። ኵላትና ነቲ ኣብዚ ‘ኽፉእ ቅንያት’ ዜድሊ መንፈሳዊ ብርታዐ ምእንቲ ኽንረክብ፡ ንመጽናዕትን ንምስትንታንን ዚኸውን ‘ግዜ ኽንዕድግ’ ኣሎና።—ኤፌ. 5:15, 16
3, 4. ብዛዕባ እቲ ንመጽናዕቲ ኽንጥቀመሉ እንኽእል ጽሑፋት እንታይ ሓሳባት ተዋሂቡና ኣሎ፧ ኣብ ምንታይከ ኸነተኵር ኣሎና፧
3 እንታይ ኪጽናዕ ይከኣል፧ ዎች ታወር ፓብሊኬሽንስ ኢንደክስ ወይ ዎችታወር ላይብረሪ ኣብ ሲዲ-ሮም ዜሐጕስ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ዜኽእለካ ሓበሬታ ንኽትረክብ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ስድራ ቤታት ከም “መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት፡” “ንደቅኻ ምሃሮም፡” “ንመንእሰያትና” ዝኣመሰለ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ብተኸታታሊ ዚወጽእ ዓንቀጻት ኬጽንዓ ይኽእላ እየን። መጽሔት ንቕሑ! ኸኣ “መንእሰያት ዚሓትዎ” ዚብል ተኸታታሊ ዓንቀጻትን ብዛዕባ ዜደንቕ ፍጥረት ዚገልጽ ዓንቀጻትን ኣለዋ።
4 ኣባላት ስድራ ቤት ብሓባር ህድእ ኢሎም መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ኣንቢቦም፡ ኣብ ኣእምሮኦምን ኣልባቦምን ኣምላኻዊ ስርዓታትን ትምህርትታትን ኪሰርጽ ይኽእል እዩ። (እብ. 4:12) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት፡ ንሓደ ኻብቲ ብውድብና እተዳለወ ቪድዮታት ክትርእይዎን ክትመያየጡሉን ትኽእሉ ኢኹም። ንምህዞን ንፈጠራን ዚኸውን እኹል ኣጋጣሚታት ኣሎ። ንኣባላት ስድራ ቤትካ እንታይ ከም ዜሐጕሶም ስለምንታይ ዘይትሓቶም፧
5. ብብሕትን ብስድራ ቤትን ዚግበር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሕጂ ኣብ ህይወትና ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
5 ሕጂ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ንመንፈሳውነትና ምድልዳልና፡ ‘ጸኒዕና ንኽንቀውምን ነቲ የሆዋ ዚገብረልና ምድሓን ንኽንርእን’ ኬዳልወና እዩ። (ዘጸ. 14:13 NW) ወለዲ ንውሉዳቶም “ኣብ ማእከል እዚ ቔናንን ጠዋይን ወለዶ” ኼዕብዩ ኸለዉ፡ መለኮታዊ መምርሒ ኼድልዮም እዩ። (ፊል. 2:15) ውሉዳት ነቲ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ እናኣንቈልቈለ ዚኸይድ ስነ-ምግባር ንኺዋጽኡሉ ሓገዝ የድልዮም እዩ። (ምሳ. 22:3, 6) ሰብ ሓዳር ምስ የሆዋ ሓቢሮም “ብሰለስተ ዝኸረረ ገመድ” ብምዃን፡ ንሓዳሮም ኬደልድልዎ ኣለዎም። (መክ. 4:12) ሃየ እምበኣር ነቲ ተሪፉ ዘሎ ግዜ “በታ ኻብ ኵሉ እተቐደሰት እምነት” ንርእስና ንምህናጽ ብጥበብ ንጠቐመሉ።—ይሁ. 20