መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ነሓሰ
“ሰባት ሕጉሳት ንኪዀኑ እንታይ ኪገብሩ ዘለዎም ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ። ማቴዎስ 5:3 ኣንብብ።] እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ካብቲ የሱስ ብዛዕባ ሓጐስ እተዛረቦ ንሓዲኡ ጥራይ እያ እትጠቅስ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ናይ ሓቂ ሓጐስ ክንረክብ ብዛዕባ እንኽእለሉ መገዲ፡ ካብ የሱስ እንታይ ክንመሃር ከም እንኽእል ትገልጽ።” ኣብ ገጽ 16 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርኢ።
Awake! August
“መብዛሕትኡ ሎሚ ዘሎ ፊልምታት፡ ብዛዕባ ኣጋንንትን ኣስማተኛታትን ጠንቈልትን እዩ ዜርኢ። ኣጋንንቲ ብሓቂ ዘለዉዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ። ቀዳማይ ቈረንቶስ 10:20 ኣንብብ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣጋንንቲ እንታይ ከም ዚብልን ብኸመይ ርእስና ኸነዕቍብ ከም እንኽእልን ትገልጽ።” ኣብ ገጽ 20 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርኢ።
ግምቢ ዘብዐኛ 1 መስከረም
ኣብቲ ኸባቢ ኣሻቓሊ ዀይኑ ዘሎ ዜና ጥቐስ። ድሕሪኡ ኸምዚ በል፦ “ሰባት ከምዚ ዝበለ ሕማቕ ተግባር ዚፍጽሙ ስለምንታይ ምዃኖም ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ተስፋ ንኽንገብር ምኽንያት ይህበና እዩ። [2 ጴጥሮስ 3:13 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኽፍኣት እንታይ ከም ዚብልን ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር እዋን ንዅሉ እከይ ከም ዜጥፍኦን ትገልጽ።”
Awake! September
“ሞባይል ተሌፎን፡ ኢ-መይል፡ ብኢንተርነት ዚግበር ዕላል፡ ወይ ከምኡ ዝኣመሰለ ምስ ሰባት ዜራኽበና ነገራት፡ ነቲ ዚስምዓና ጽምዋ ዝነከዮዶ ዀይኑ ይስምዓካ ወይስ መሊሱ ዘጋደዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] ብጽምዋ ኸይትብላዕ ዚሕግዝ ሓደ ሓሳብ እስከ ኸካፍለካ። [ግብሪ ሃዋርያት 20:35 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እተወስደ ዝያዳ ግብራዊ ምኽሪ ትህብ።”