መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 መስከረም
“ሓድሓደ ግዜ፡ ሰባት ካብ ግጉይ ሃይማኖታዊ ቕንኣት ተላዒሎም ሕማቕ ነገር ይገብሩ እዮም። ክሳዕ ክንድዚ ኸም ዚታለሉ ዚገብሮም እንታይ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዜተባብዕ እስከ ንርአ። [1 ዮሃንስ 4:1 ኣንብብ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ እምነትና ምስ ቃል ኣምላኽ ከነነጻጽሮ ዚግባእ ስለምንታይ ምዃኑ ትገልጽ።” ኣብ ገጽ 10 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርኢ።
Awake! September
ማቴዎስ 5:39 ኣንብብ። ድሕሪኡ፡ ከምዚ በል፦ “የሱስ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ክንብደል ከለና፡ ስቕ ኢልና ዚወርደና ኽንቅበል ኣሎና ማለቱ ድዩ ነይሩ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ርእሰ-ምክልኻልን ብዛዕባ ሕጋዊ ዕቝባ ምድላይን እንታይ ከም ዚብል ትገልጽ።” ኣብ ገጽ 10 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርኢ።
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ጥቅምቲ
“ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ምእመናን ኵለን ሃይማኖታት ይጽልዩ እዮም። ኣምላኽ፡ ብሓቂዶ ጸሎት ሰሚዑ ዚምልስ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ፡ ክንጽሊ የተባብዓና እዩ። [ፊልጲ 4:6, 7 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ነቲ ብዛዕባ ጸሎት ብብዝሒ ዚለዓል ሸውዓተ ሕቶታት፡ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መልሲ ትህበሉ።”
Awake! October
“ብመጻምድቶምን ብፖለቲከኛታትን ብኻልኦትን ብዛዕባ እተኸድዑ ሰባት ብብዝሒ ንሰምዕ ኢና። እሙናት ሰባት ምርካብ ብዝያዳ ኣጸጋሚ እናዀነ ዚኸይድ ዘሎዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ብዙሓት ሰባት፡ እዛ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ጥቕሲ ትፍጸም ከም ዘላ ይኣምኑ እዮም። [2 ጢሞቴዎስ 3:1-5 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ እሙናት ሰባት ኣበይ ኪርከቡ ኸም ዚኽእሉ ትገልጽ።”