መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሕዳር
“መላእኽቲ ብዛዕባ እቲ እንገብሮ ነገራት ዚግደሱዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኦም እዚ ባህ ዜብል ሓሳብ ይገልጽ። [ሉቃስ 15:10 ኣንብብ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነቲ እዞም መንፈሳውያን ፍጡራት ብኸመይ ኪጸልዉና ኸም ዚኽእሉ የሱስ እተዛረቦ ሓሳብ ትገልጽ።” ኣብ ገጽ 16 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርኢ።
Awake! November
ካልኣይ ጢሞቴዎስ 3:16 ኣንብብ። ድሕሪኡ ኸምዚ ዚስዕብ በል፦ “ኵሉ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ኽንኣምኖ ኸም እንኽእል ድዩ ዚስምዓካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ስነ-ጥንትን ዓለማዊ ታሪኽን ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ግብጺ ዚብሎ ነገራት ዚድግፎ ምዃኑን ዘይምዃኑን ትገልጽ።” ኣብ ገጽ 15 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርኢ።
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ታሕሳስ
“ብዙሓት ሰባት፡ ንህይወትና ኺጸልዉ ዚኽእሉ መስተውዓልቲ ፍጡራት ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ከም ዘለዉ ይኣምኑ እዮም። ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ፡ ራእይ 12:7-9 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ዚነብሩ እንታይ ከም ዚብል፡ ብኸመይ ኪጸልዉና ኸም ዚኽእሉ፡ ምስኦም ክንራኸብ ንኽእል እንተ ዄንና ትገልጽ።”
Awake! December
“የሱስ ብ25 ታሕሳስ ከም እተወልደ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይገልጽ እኳ እንተ ዀነ፡ በዓል ልደት ስለምንታይ ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ኸም ዚበዓል ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ።] ብመሰረት እዛ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሱስ እተወልደ ኣብ ግዜ ቘራሪ ወቕቲ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። [ሉቃስ 2:8 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ መበቈል እቲ ኣብ እዋን ልደት ዚግበር ገሊኡ ህቡብ ልምድታት ተቃልዕ።”