ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 8/11 ገጽ 1
  • ‘ስም ኣምላኽ ይቀደስ’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ስም ኣምላኽ ይቀደስ’
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ስም ኣምላኽ ክንፈልጠሉ ዝግብኣና ምኽንያት
    መለኮታዊ ስም
  • የሆዋ ንስሙ ልዕል የብሎ
    መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ!
  • ስም ኣምላኽ ከም ዝፍለጥ ምግባር
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • ነቲ ዓብዪ ስም የሆዋ ኣኽብሮ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
km 8/11 ገጽ 1

‘ስም ኣምላኽ ይቀደስ’

1. ፍረ ነገር እቲ ኣብ ዓመት ኣገልግሎት 2012 ዚግበር ኣኼባ ወረዳ እንታይ እዩ፧ ኣብ ምንታይ እተመስረተኸ እዩ፧

1 ስም እቲ ልዑላዊ ገዛኢ ዅሉ ፍጥረት ዝዀነ የሆዋ እንጸውር ምዃንና፡ ከመይ ዝበለ ፍሉይ መሰል ኰን እዩ! ኣምላኽ ባዕሉ እዩ ስሙ ኽንጸውር ሂቡና፣ ብፍላይ ካብ 1931 ጀሚሩ ኸኣ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተባሂልና ተጸዊዕና ኢና። (ኢሳ. 43:10) እቲ ሓደ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ፡ ንስም ኣምላኽ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ ነይሩ፣ ኣብታ ኣብነት ክትኰነና ኢሉ ዝሃበና ጸሎት ከኣ፡ ቀዳምነት ሂብዎ ኣሎ። (ማቴ. 6:9) እቲ ኣብ ዓመት ኣገልግሎት 2012 ዚግበር ኣኼባ ወረዳ፡ ኣብ ቃላት የሱስ እተመስረተ እዩ ኪኸውን። ፍረ ነገር እቲ ኣኼባ፡ “ስም ኣምላኽ ይቀደስ” ዚብል እዩ።

2. ኣብቲ ኣኼባ ወረዳ እንታይ እዩ ኪቐርብ፧

2 እንታይ ኢና ኽንሰምዕ፦ እቲ ቐዳም ዚቐርብ፡ “ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ብምዃን ንስም ኣምላኽ ኣፍልጡ” ዚብል መደረ፡ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት፡ ዕግበት ዜምጽእ መገዲ ህይወት ዝዀነሉ ምኽንያት ኪገልጽ እዩ። ብዘይካዚ፡ እቲ፡ “ንስም የሆዋ ኸይተጽርፉ ተጠንቀቑ” ዚብል ዓውደ መጽናዕቲ፡ ኣብ ኣርባዕተ መጻወድያ ኸይንወድቕ ኪሕግዘና እዩ። እታ፡ “ስም ኣምላኽ ኪቕደስ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧” ዘርእስታ መደረ፡ ‘ተገዳስነት ዘይብሎም ሰባት እኳ እንተ ኣጋጠሙና፡ ብቕንኣት ንኽንሰብኽ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧’ ከምኡውን ‘ትርጕም ዘለዎ ኣገልግሎት ንኸነገልግል ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧’ ዚብል ሕቶታት ክትምልስ እያ። ሰንበት፡ ብኸመይ ንስም ኣምላኽ ብሓሳብናን ብዘረባናን ብውሳነታትናን ብኣኻይዳናን ክንቅድሶ ኸም እንኽእል ዚሕብር ኣርባዕተ ኽፋል ዘለዎ ዓውደ መጽናዕቲ ኪቐርብ እዩ። ብፍላይ ሓደስቲ ሰባት ነቲ፡ “የሆዋ ኣብ ኣርማጌዶን ነቲ ኽቡር ስሙ ኪቕድሶ እዩ” ዚብል ህዝባዊ መደረ ኸም ዚፈትውዎ ኣየጠራጥርን እዩ።

3. ከመይ ዝኣመሰለ ፍሉይ መሰል እዩ ዘሎና፧ መደብ ኣኼባ ወረዳ ዚሕግዘናኸ ብኸመይ እዩ፧

3 ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ የሆዋ ንስሙ ኪቕድሶ እዩ። (ህዝ. 36:23) ክሳዕ ሽዑ ግና፡ ንዅሉ እቲ ቕዱስ ስም የሆዋ ዚውክሎ ዘበለ ደገፍና ኸነርኢ ዜኽእለና ፍሉይ ኣጋጣሚ ተኸፊቱልና ኣሎ። እዚ መደብ ኣኼባ ወረዳ እዚ፡ ኵላትና ነቲ ጸወርቲ ስም ኣምላኽ ክንከውን እተዋህበና ኸቢድ ሓላፍነት ክንፍጽም ከም ዚሕግዘና ንተኣማመን ኢና።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ