ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
ኣብታ ወርሒ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር ከምዚ ዚስዕብ ክትብል ትኽእል ኢኻ፦
“ኵሉ ሰብ ኣዕሩኽ ከም ዜድልይዎ መቸም ትሰማምዓሉ ኢኻ። ካብ ሓደ ዓርኪ ብዝያዳ እትጽበዮ ባህርይ እንታይ እዩ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብዛዕባ እቲ ኣዕሩኽና ተጠንቂቕና ኽንመርጸሉ ዘሎና ምኽንያት እንታይ ከም እትብል ርአ።” ነቲ ብዓል ቤት ሓንቲ ሕታም እታ ናይ 1 ታሕሳስ ግምቢ ዘብዐኛ ሃቦ እሞ፡ ነቲ ኣብ ገጽ 16-17፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ኻብቲ ንኡስ ኣርእስቲ ዘሎ ሓሳባት ኣንቢብካ ተመያየጠሉ። እንተ ወሓደ፡ ንሓንቲ ኻብቲ ጥቕስታት ኣንብብ። ነታ መጽሔት ኣበርክተሉ፣ ነታ ቐጺላ ዘላ ሕቶ ተመሊስካ ንኽትመያየጠላ ኸኣ መደብ ግበር።
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ታሕሳስ
“ኣብዚ ቐረባ ግዜ ባህርያዊ ሓደጋታት ዚበዝሓሉ ዘሎ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ኣተሓሳሲቡካዶ ይፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ።] እቲ ዘገርም ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ባህርያዊ ሓደጋታት ዚርኣየሉ ግዜ ኸም ዚመጽእ ተነብዩ ኣሎ። [ማቴዎስ 24:7, 8 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሲ ትህበሉ፦ ባህርያዊ ሓደጋታት ዚበዝሕ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧ ካብ ኣምላኽ ዚወርድ መቕጻዕቲ ድዩ፧ ኣምላኽ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ንዅሉ ባህርያዊ ሓደጋታት ከም ዜወግዶ ዜእምነና እንታይ ብቑዕ ምኽንያታት ኣሎና፧”
Awake! December
ካልኣይ ጢሞቴዎስ 3:16 ኣንብብ። ድሕሪኡ ኸምዚ በል፦ “ገሊኣቶም መጽሓፍ ቅዱስ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ መጽሓፍ ምዃኑ ይሰማምዑሉ እዮም፡ ገሊኣቶም ግና ነዚ ሓሳብ እዚ ኣይሰማምዑሉን እዮም። ንስኻኸ እንታይ ምበልካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ነዛ ሕቶ እዚኣ እተፈላለየ መልሲ ዚወሃበላ እኳ እንተ ዀነ፡ ከም መጽሓፍ ቅዱስ ገይሩ ምጽራር ዜጋጠሞ መጽሓፍ ከም ዘየለ ግና ብሓፈሻ ዳርጋ ዅሎም ሰባት ይሰማምዑሉ እዮም። እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጥፋእን ሰባት ከም ዘየንብብዎ ንምግባርን ንዘመናት ዚኣክል እተገበረ ጻዕሪ ትገልጽ። ስለምንታይ ከም ዘይጠፍአ እውን ትገልጽ እያ።”