ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
ኣብታ ወርሒ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር ከምዚ ዚስዕብ ክትብል ትኽእል ኢኻ፦
“ኣብዚ ወቕቲ እዚ፡ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ የሱስ ይዛረቡ እዮም። ንስኻኸ የሱስ እንታይ ኣገዳሲ ነገር ዝዓመመ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ንኣርእስቲ እዛ ኣብ ገጽ 16 ዘላ ዓንቀጽ እሞ ርኣዮ።” ነቲ ብዓል ቤት ናይ 1 ታሕሳስ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ሃቦ፣ ነቲ ኣብ ትሕቲ እቲ ናይ መጀመርታ ንኡስ ኣርእስቲ ዚርከብ ሓሳብን ነቲ ኣብኡ እተጠቕሰ ጥቕስታትን ከኣ ተመያየጡሉ። ነታ መጽሔት ኣበርክተሉ፣ ኣብ ዚቕጽል እዋን ተመሊስካ፡ ነታ ስዒባ ዘላ ሕቶ ምእንቲ ኽትመያየጡላ ኸኣ ቈጸራ ግበር።
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ታሕሳስ
“ኣብዚ ወቕቲ እዚ፡ ብዙሓት ሰባት በቲ ኣብ በዓል ልደት ዚሰፍን መንፈስ ይሕጐሱ እዮም። በዓል ልደት ዜሐጕስ ንኪኸውን፡ ኣየናይ ነጥቢ ኺትኰረሉ ዘለዎ ይመስለካ፧ [ነቲ ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ነጥብታት ኣርእዮ እሞ፡ መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ፡ ናብቲ እታ ንሱ ዝመረጻ ነጥቢ እትርከበላ ገጽ ብምኻድ፡ ነታ ቐንዲ ጥቕሲ ኣንብባ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ንየሱስ ኣብ በዓል ልደት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ምሉእ ዓመት ክንዝክሮ እንኽእለሉ ግብራዊ መገድታት ትጠቅስ።”
Awake! December
“ሎሚ ብዙሓት ሰባት፡ ውጥረትን ጸቕጥን ይስምዖም እዩ። ንስኻኸ ብዙሓት ሰባት ዓቕሊ ዜጽብቡ ዘለዉ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ገሊኦም ሰባት፡ ኣብቲ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3:1 ብትንቢት ተገሊጹ ዘሎ ዜጨንቕ እዋን ንነብር ከም ዘለና እዮም ዚኣምኑ። [ኣንብብ] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ዓቕሊ ምስኣን ጐዳኢ ዝዀነ ስለምንታይ ምዃኑን ብኸመይ ዕጉስ ክትከውን ከም ዚከኣልን ትገልጽ።”