ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
ኣብታ ወርሒ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር ከምዚ ዚስዕብ ክትብል ትኽእል ኢኻ፦
“ንስድራ ቤታት ዚጠቅም ሓበሬታ ነካፍል ስለ ዘለና ኢና ናብ ቤትካ መጺእና። መብዛሕትኦም ወለዲ ውሉዳቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ ኪዀኑሎም እዮም ዚደልዩ። ውሉዳት ባዕሎም ንኣምላኽ ምፍቃር ኪመሃሩ ዚኽእሉዶ ይመስለካ ወይስ ወለዲ እዮም ኪምህርዎም ዘለዎም፧” መልሲ ተጸበ። ነታ ኣብ ዳሕረዋይ ገጽ ናይ 1 ታሕሳስ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እትርከብ ዓንቀጽ ኣርእዮ፣ ኣብ ትሕቲ እታ ናይ መጀመርታ ሕቶ ንዘሎ ሓሳባትን እንተ ወሓደ ንሓደ ኻብቲ ጥቕስታትን ተመያየጡሉ። ነተን መጽሔታት ኣበርክተሉ፣ ነቲ ቐጺሉ ዘሎ ሕቶ ተመሊስካ ንኽትመያየጠሉ ኸኣ መደብ ግበር።
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ታሕሳስ
“ብዛዕባ ኣምላኽ ንምዝርራብ ሕጽር ዝበለ ምብጻሕ ንገብር ኣለና። ርግጽ እዩ ዅሉ ሰብ ብዛዕባ ኣምላኽ እተፈላለየ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎ። መብዛሕትኦም ሰባት ንኣምላኽ ከም ሓደ ግኡዝ ሓይሊዶ ወይስ ከም ሓደ ብብሕቲ ዚግደሰሎም ዓርኪ ገይሮም ዚርእይዎ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ እዚኣ፡ ኣምላኽ ምስኡ እንታይ ዓይነት ርክብ ኪህልወና ኸም ዚደሊ ትገልጽ። [ያእቆብ 4:8ሀ ኣንብብ።] እዛ መጽሔት ናብ ኣምላኽ ዝያዳ ንምቕራብ ክንገብሮ ዘሎና ሰለስተ ነገራት ትገልጽ።”
ንቕሑ! ታሕሳስ
“ሎሚ ብዛዕባ ሓደ ኻብቲ ንብዙሓት ሰባት ዜሻቕሎም ጸገማት ጥዕና ንምዝርራብ ንሰባት ንበጽሖም ኣለና። ብመሰረት ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ከም ጭንቀት ዝኣመሰለ ኣእምሮኣዊ ምምዝባል፡ ካብ ኣርባዕተ ሰባት ንሓደ ኣብ እተወሰነ ኽፋል ህይወቱ ይጸልዎ እዩ። ኣእምሮኣዊ ምምዝባል ልሙድ ተርእዮ እናዀነ ዚኸይድ ዘሎዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ምድሪ ሕማምን ስቓይን ዘይህልወሉ ግዜ ኸም ዚመጽእ ተስፋ ይህበና። [ራእይ 21:3, 4 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት ኵሉ ሰብ ብዛዕባ ኣእምሮኣዊ ምምዝባል ኪፈልጦ ዘለዎ እተወሰነ ነጥብታት ትገልጽ።”