ርእስኻ ኣይትቐይድ—ብቑዕ ኣይኰንኩን ንዚብል ሓሳብ ኣሰንፎ
1. ገሊኦም ኣስፋሕቲ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ምምራሕ ድሕር ምሕር ዚብሉ ስለምንታይ እዮም፧
1 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብውጽኢታዊ መገዲ ኽትመርሕ ዘይትኽእል ኰይኑ ስለ ዚስምዓካ፡ መጽናዕቲ ኻብ ምምራሕ ድሕር ምሕር ትብል ዲኻ፧ ጥንቲ ዝነበሩ ኸም እኒ ሙሴን ኤርምያስን ዝኣመሰሉ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ እውን እንተ ዀኑ፡ ነቲ እተዋህቦም መዝነት ከም ዘይበቕዑ ዀይኑ ተሰሚዕዎም ነይሩ እዩ። (ዘጸ. 3:10, 11፣ 4:10፣ ኤር. 1:4-6) ስለዚ፡ ንስኻ በይንኻ ኣይኰነካን ከምኡ ዚስምዓካ። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ስምዒት ብኸመይ ኢኻ ኽትዋጽኣሉ እትኽእል፧
2. በቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት እንገብሮ ኣገልግሎት ጥራይ ዓጊብና፡ ነቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምምራሕ ዕዮ ንኻልኦት ክንሓድገሎም ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧
2 የሆዋ ልዕሊ ዓቕምና ኽንገብር ከም ዘይጽበየና ክንርስዕ የብልናን። (መዝ. 103:14) ስለዚ፡ ነቲ ‘ደቀ መዛሙርቲ ኽንገብርን’ ‘ክንምህርን’ እተዋህበና መዝነት ክንፍጽሞ ንኽእል ኢና። (ማቴ. 28:19, 20) የሆዋ ነዚ ፍሉይ መሰል እዚ ንምኩራት ወይ ከኣ ንኽኢላታት ጥራይ ኣይኰነን ሂብዎም። (1 ቈረ. 1:26, 27) ስለዚ እምበኣር፡ በቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት እንገብሮ ኣገልግሎት ጥራይ ዓጊብና፡ ነቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምምራሕ ዕዮ ንኻልኦት ክንሓድገሎም የብልናን።
3. የሆዋ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽንመርሕ ብቑዓት ዚገብረና ብኸመይ እዩ፧
3 የሆዋ ብቑዓት ይገብረና፦ እቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ብቕዓትና፡ ካብ የሆዋ እዩ ዚመጽእ። (2 ቈረ. 3:5) ብውድቡ ኣቢሉ፡ እቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ምሁራት እውን እንተ ዀይኑ ዘይፈልጥዎ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ይምህረና እዩ። (1 ቈረ. 2:7, 8) ንሜላ ኣመሃህራ እቲ ዓብዪ መምህር ዝነበረ የሱስ ምእንቲ ኽንቀድሖ ኢሉ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣስፊሩልና ኣሎ፣ በታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣቢሉ ድማ ቀጻሊ ስልጠና ይህበና እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ክንምህረሉ እንኽእል ንዋት እውን ይህበና እዩ። ንሓቂ ብርትዓውን ብቐሊሉ ኽትርድኦ ብእትኽእልን መገዲ ዚገልጽ ከምታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ ዝኣመሰለ ንዋት ሂቡና ኣሎ። ስለዚ እምበኣር፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ፡ ካብቲ እንሓስቦ ንላዕሊ ቐሊል ኪኸውን ይኽእል እዩ።
4. የሆዋ ኸም ዚሕግዘና ኽንተኣማመን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
4 ሙሴን ኤርምያስን ብሓገዝ የሆዋ ንመዝነቶም ኪፍጽምዎ ኽኢሎም እዮም። (ዘጸ. 4:11, 12፣ ኤር. 1:7, 8) ንሕና እውን፡ የሆዋ ምእንቲ ኺሕግዘና ኽንልምኖ ንኽእል ኢና። ከመይሲ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ከለና፡ ብዛዕባኡ እቲ ሓቂ ኢና እንምህር፣ እዚ ኸኣ ንዕኡ የሐጕሶ እዩ። (1 ዮሃ. 3:22) ስለዚ፡ ኣብቲ ኣዝዩ ዜሐጕስን ዓስቢ ዘለዎን መዳይ ኣገልግሎት ንኽትካፈል፡ ማለት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትመርሕ ሸቶ ግበር።