ነታ ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
ዘርእስታ ብሮሹር ብኸመይ ከም እትጥቀመላ ንተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ውድብ የሆዋ ንኸተላልዮም እተዳለወት ሓዳስ ብሮሹር
1. እዛ ፍቓድ የሆዋ እትብሃል ብሮሹር፡ እንታይ ሰለስተ ዕላማታት እዩ ዘለዋ፧
1 ነታ ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧ ዘርእስታ ብሮሹር ክትጥቀመላ ጀሚርካዶ፧ ዕላማኣ (1) ንተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ምሳና ንኸነላልዮም (2) ብዛዕባ ንጥፈታትና ንኽንምህሮም፡ ከምኡውን (3) ውድብና ብኸመይ ከም ዚዓዪ ንኸነርእዮም እዩ። እዛ ፍቓድ የሆዋ እትብሃል ሓዳስ ብሮሹር ነፍሲ ወከፉ ሓደ ገጽ ጥራይ ዚሽፍን ትምህርትታት ዝሓዘት እያ። እዚ ኸኣ፡ ኣብ መወዳእታ ነፍሲ ወከፍ መጽናዕቲ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ወይ ዓሰርተ ደቒቕ ንምምይያጥ የኽእል።
2. እዛ ብሮሹር እዚኣ ብኸመይ ከም እተዳለወትን እንታይ ትሕዝቶ ኸም ዘለዋን ግለጽ።
2 ብኸመይ ከም እተዳለወት፦ እታ ብሮሹር ሰለስተ ኽፋላት ኣለዋ። ነፍሲ ወከፉ ኸኣ ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ፡ ብዛዕባ ውድብ የሆዋ ብእተፈላለየ መዳያት ዚገልጽ ሓሳብ ሒዙ ኣሎ። ኣርእስቲ ነፍሲ ወከፍ 28 ትምህርትታት ብሕቶ እዩ ተጻሒፉ፡ እቲ ኣብ ትሕቲኡ ዘሎ ብድሙቕ እተጻሕፈ ንኡስ ኣርእስታት ከኣ ነቲ ሕቶ ይምልስ። ኣብታ ብሮሹር ካብ ልዕሊ 50 ሃገራት እተወስደ ስእልታት ኣሎ። እዚ ኸኣ ዕዮና ኣህጕራዊ ስፍሓት ከም ዘለዎ ይሕብር። መብዛሕትኡ ትምህርትታት፡ ንተመሃራይካ ብዝያዳ ንኺፈልጥ ከተተባብዖ ዚሕግዘካ ርእዮቶታት ዝሓዘ “ንተወሳኺ ሓበሬታ” ዚብል ሳጹናት ኣለዎ።
3. ነታ ፍቓድ የሆዋ እትብሃል ብሮሹር ብኸመይ ክንጥቀመላ ንኽእል፧
3 ብኸመይ ከም እትጥቀመላ፦ መጀመርታ ነታ ሕቶ፡ ማለት ንኣርእስቲ እቲ ትምህርቲ ኣርእዮ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ትምህርቲ ሓቢርኩም ከተንብብዎ ኸለኹም፡ ነቲ ብድሙቕ እተጻሕፈ ንኡስ ኣርእስታት ኣጕልሓሉ። ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ ኣብ እግሪ እቲ ገጽ ዘሎ ሕቶታት ድግማ ተመያየጡሉ። ነቲ ትምህርቲ ብምሉኡ ኸተንብቦ ወይ ከኣ በብኽፋል ኣንቢብካ ኽትመያየጠሉ ትኽእል ኢኻ። ነየናይ ጥቕሲ ኸተንብብ ከም ዘሎካ፡ ኣመዛዚንካ ወስን። ነቲ ስእልታትን ነቲ “ንተወሳኺ ሓበሬታ” ዚብል ሳጹናትን እውን ኣይትረስዓዮ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቲ ትምህርትታት ብመስርዕ ክትመያየጠሉ ይግባእ። ዝያዳ ኣገዳስነት ዘለዎ ጕዳይ ምስ ዜጋጥም ግና፡ ብቐጥታ ናብቲ ትምህርቲ ብምኻድ ክትመያየጠሉ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ ዓብዪ ኣኼባ ይቐርብ እንተ ኣልዩ፡ ናብ ትምህርቲ 11 ሓሊፍካ ኸተመያይጦ ትኽእል ኢኻ።
4. ነዛ ሓዳስ ብሮሹር እዚኣ ብምርካብካ እትሕጐስ ስለምንታይ ኢኻ፧
4 ምስ ሓደ ሰብ መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ ከለና፡ ምስ ሰማያዊ ኣቦና ኢና እነላልዮ። ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ ውድብ የሆዋ እውን ክንምህሮ ኣሎና። (ምሳ. 6:20) ብዛዕባ እዚ ብቐሊሉ ንኽንምህሮ እትሕግዘና ብሮሹር ብምርካብና ኣዚና ሕጉሳት ኢና።