ነታ ብስራት ኣምላኽ ዘርእስታ ብሮሹር ብኸመይ ከም እትጥቀመላ
ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባርን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምርን እተዳለወት ሓዳስ ብሮሹር
1. ኣብቲ ‘ንልብኹም ሓልውዎ!’ ዘርእስቱ ኣኼባ ኣውራጃ፡ ተመላሊስካ ምብጻሕ ንኽንገብርን መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኸነጀምርን ክትሕግዘና ዝወጸት ሓዳስ ብሮሹር ኣየነይቲ እያ፧
1 ኣብቲ ‘ንልብኹም ሓልውዎ!’ ዘርእስቱ ኣኼባ ኣውራጃ፡ ተመላሊስካ ምብጻሕ ንኽንገብርን መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኸነጀምርን እትሕግዘና ሓዳስ ብሮሹር ብምቕባልና ተሓጒስና ኢና። ብስራት ኣምላኽ ሕጽር ዝብለ ትምህርትታት ዝሓዘት ብምዃና፡ ምስታ እተተክአት ብሮሹር ብቕዓት ተመሳሳሊት እያ። እዚ ኸኣ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ዄንና መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸነጀምር ይሕግዝ። ይኹን እምበር፡ ብሮሹር ብቕዓት ንሓደስቲ ተመሃሮ ንኪቕበልዎ ኼጸግሞም ዚኽእል ክርስትያናዊ ብቕዓታት ትገልጽ እያ። እዛ ሓዳስ ብሮሹር ግና፡ ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብስራት እያ እተተኵር።—ግብ. 15:35።
2. እታ ብስራት ኣምላኽ ዘርእስታ ብሮሹር እተዳለወት ስለምንታይ እያ፧
2 እዛ ብሮሹር እዚኣ እተዳለወት ስለምንታይ እያ፧ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ኣሕዋት፡ ንሰባት ናብ ሓቂ ስሒቡ፡ ናብታ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ እንጥቀመላ ቐንዲ መሳርሒትና ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ ኬሰጋግሮም ዚኽእል ቅልል ዝበለ ጽሑፍ ክዳለወሎም ሓቲቶም እዮም። መጽሓፍ ኬጽንዑ ዜሰክፎም ሰባት፡ ብብሮሹር መጽሓፍ ቅዱስ ንኼጽንዑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ፍቓደኛታት ይዀኑ እዮም። ብተወሳኺ፡ ብሮሹር ብቐሊሉ ናብ ብዙሕ ቋንቋታት ክትርጐም ይኽእል እዩ።
3. እዛ ብሮሹር እዚኣ፡ ካብቲ ንመጽናዕቲ እተዳለወ ኻልእ ጽሑፋት እትፍለ ብኸመይ እያ፧
3 ብኸመይ ከም እተዳለወት፦ መብዛሕትኡ ንመጽናዕቲ ዚኸውን ጽሑፋትና፡ ሓደ ሰብ ብዘይ ናይ ካልእ ሰብ ሓገዝ፡ ኣንቢቡ ንሓቂ ምእንቲ ኺርድኦ ተባሂሉ እዩ ዚዳሎ። እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ግና ፍልይቲ እያ። ምስ መምህር ኴንካ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ክትሕግዝ እያ ተዳልያ። ስለዚ፡ ንሓደ ሰብ ክትዕድላ ኸለኻ፡ ሓደ ወይ ክልተ ሕጡብ ጽሕፍ ከተመያይጦ ዝሓሸ እዩ። እቲ ሕጡብ ጽሑፋት ሓጺር ብምዃኑ፡ ንሓደ ሰብ ኣብ ኣፍ ደገ ቤቱ ወይ ኣብ ቦታ ስራሑ ዄንካ ኸተመያይጦ ትኽእል ኢኻ። ብትምህርቲ 1 ኽንጅምር ዝሓሸ እኳ እንተ ዀነ፡ ብሓደ ኻብቲ ኻልእ ትምህርትታት እውን መጽናዕቲ ኸነጀምር ንኽእል ኢና።
4. እታ ብሮሹር ብቐጥታ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽንምህር እትሕግዘና ብኸመይ እያ፧
4 ኣብ መብዛሕትኡ ጽሑፋትና፡ መልሲ እቲ ብጽሑፍ ዝቐረበ ሕቶታት፡ ኣብቲ ሕጡብ ጽሑፋት ይርከብ እዩ። ኣብዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ግና፡ መብዛሕትኡ መልሲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ዚርከብ። መብዛሕትኦም ሰባት ካብ ጽሑፋትና ዘይኰነስ፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመሃሩ እዮም ዚደልዩ። ስለዚ፡ ዳርጋ ዅሉ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳባቱ ኸም ዘለዎ ኣይተጠቕሰን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኪንበብ እዩ ዚድለ። እዚ ኸኣ፡ ነቶም ተመሃሮ እቲ ዚመሃርዎ ትምህርቲ ኻብ ኣምላኽ ምዃኑ ንኺግንዘቡ ይሕግዞም።—ኢሳ. 54:13።
5. እቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚመርሕ፡ ንነፍሲ ወከፍ መጽናዕቲ ብግቡእ ኪዳለወሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
5 እታ ብሮሹር ንዅሉ ጥቕስታት ኣይኰነትን እተብርሆ። ስለምንታይ፧ ነቲ ተመሃራይ ሕቶታት ንኺሓትት ንምትብባዕ፡ ነቲ መምህር ከኣ ናይ ምስትምሃር ክእለቱ ንኺጥቀመሉ ኣጋጣሚ ንምኽፋት እያ ተዳልያ። ስለዚ፡ ንነፍሲ ወከፍ መጽናዕቲ ብግቡእ ክትዳለወሉ ኣገዳሲ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብዙሕ ክትዛረብ የብልካን። ብዛዕባ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንገልጽ ባህ እዩ ዚብለና። ዝያዳ ውጽኢታዊ ዚኸውን ግና፡ ነቲ ተመሃራይ ብዛዕባ እቲ ጥቕስታት እንታይ ምርዳእ ከም ዘለዎ ኺገልጽ ምስ እንሓቶ እዩ። ብሜላ ሕቶታት ብምሕታት፡ ነፍሲ ወከፍ ጥቕሲ እንታይ ትርጕም ሒዛ ኸም ዘላ ንኺርዳእ ክንሕግዞ ንኽእል ኢና።—ግብ. 17:2።
6. ነታ ብሮሹር፡ (ሀ) ብዛዕባ ኣምላኽን መጽሓፍ ቅዱስን ንዚጠራጠሩ ሰባት ክንሰብከሎም ከለና፡ (ለ) ካብ ቤት ናብ ቤት ከነገልግል ከለና፡ (ሐ) ብቐጥታዊ ኣቀራርባ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸነጀምር ከለና፡ (መ) ተመላሊስካ ምብጻሕ ክንገብር ከለና፡ ብኸመይ ክንጥቀመላ ንኽእል፧
6 ኣብ ወርሒ ዚዕደል ጽሑፍ እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ፡ እዛ ብሮሹር እዚኣ፡ ልክዕ ከምቲ ኻልእ ጽሑፋት ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ክትዕደል ትኽእል እያ። ሓያሎ ኣስፋሕቲ በዛ ብሮሹር እዚኣ ተጠቒሞም ብቐጥታዊ ኣቀራርባ ኣብ ኣፍ ደገ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጀምሩ ኺፍትኑ እዮም። ብዘይካዚ፡ ከምቲ ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ እተጠቕሰ፡ ነቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ሰባት ተመሊስና ኽንበጽሖም ከሎና፡ ነዛ ብሮሹር እዚኣ እንተ ተጠቒምናላ፡ “ንዕዮ ተመላሊስካ ምብጻሕ ብሓቂ ባህ ዜብል ክትገብሮ ትኽእል እያ።”—ኣብ ገጽ 7-9 ዘሎ ሳጹናት ርአ።
7. በታ ብሮሹር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ክትመርሕ ትኽእል፧
7 መጽናዕቲ ብኸመይ ከም እትመርሓላ፦ ነታ ቝጽሪ ዝሓዘት ብድሙቕ እተጻሕፈት ሕቶ ብምንባብ፡ ምይይጥካ ኽትጅምር ትኽእል ኢኻ። ቀጺልካ፡ ነታ ሕጡብ ጽሑፍ ከምኡውን ነታ ብሰያፍ እተጻሕፈት ጥቕሲ ወይ እተጻሕፋ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብብ። ነቲ ብዓል ብሜላ ሕቶታት ብምሕታት ንትርጕም እቲ ጥቕስታት ኣብርሃሉ። ድሕሪኡ፡ ናብቲ ዚቕጽል ክፋል ቅድሚ ምስጋርካ፡ ተረዲእዎ እንተ ዀይኑ ንኽትፈልጥ፡ ነታ ብድሙቕ እተጻሕፈት ሕቶ ንኺምልሳ ሕተቶ። ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብረሉ ኸለኻ ንእተወሰነ ግዜ፡ ሓንቲ ኻብተን ብድሙቕ እተጻሕፋ ሕቶታት ጥራይ እንተ ተመያየጥኩም ዝሓሸ እዩ። ድሕሪ ገለ ግዜ ኸኣ፡ ነታ ዓንቀጽ ብምልእታ ኽትመያየጡላ ትኽእሉ ኢኹም።
8. ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ምንባብካ እንታይ ክትብል ይግባእ፧ ስለምንታይከ፧
8 ነታ ብድሙቕ እተጻሕፈት ሕቶ ብቐጥታ ዚምልሶ፡ እቲ “ኣንብብ” ዚብል ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ምንባብካ፡ “ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ” ወይ ከኣ “ኤርምያስ እንታይ ኢሉ ኸም እተነበየ እሞ ኣስተብህል” ኣይትበል። ከምኡ ኢልካ እንተ ጀሚርካ፡ እቲ ብዓል ቤት፡ ሰባት ዝጸሓፍዎ ሓሳባት ተንብብ ከም ዘለኻ ገይሩ ኺሓስብ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ “ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይብል” ወይ ከኣ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኢሉ ኸም እተነበየ እሞ ኣስተብህል” ኢልካ እንተ ጀመርካ ይሓይሽ።
9. ኣብ እዋን መጽናዕቲ፡ ኵሉ ጥቕስታት ድዩ ኺንበብ ዘለዎ፧
9 ንዅሉ እቲ ጥቕስታት ዲኻ ኸተነብቦ ዘሎካ፡ ወይስ ነቲ “ኣንብብ” ዚብል ጥቕስታት ጥራይ፧ ኣብ ኵነታት ተመርኲስካ ወስን። ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሰሉ ዕላማ፡ እቲ ሓሳባት ኣበይ ከም ዚርከብ ንምሕባር ጥራይ ኣይኰነን። ነፍሲ ወከፍ ጥቕሲ፡ ምይይጥ ዜድልዮ ሓሳባት ሒዛ ኣላ። ኣብ ገሊኡ ዅነታት ግና፡ እቲ ተመሃራይ ግዜ፡ ተገዳስነት፡ ወይ ናይ ምንባብ ክእለት እንተ ዘይብሉ፡ ነቲ “ኣንብብ” ዚብል ጥቕስታት ጥራይ እንተ ኣንበብካሉ ይሓይሽ።
10. ነቲ ተመሃራይ ናብታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ ከነሳግሮ እንኽእል መዓስ ኢና፧
10 ናብታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ መዓስ ከም እተሳግሮ፦ ምስቲ ተመሃራይ ንእተወሰነ ግዜ ምስ ተመያየጥና እሞ፡ ስሩዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ እንተ ጀሚርናሉ፡ ናብታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ ከነሳግሮ ወይ ከኣ በታ ብስራት ኣምላኽ ዘርእስታ ብሮሹር ክንቅጽለሉ ንኽእል ኢና። ኣስፋሕቲ፡ ናብታ መጽሓፍ መዓስ ኬሰጋግርዎ ኸም ዘለዎም፡ ኣመዛዚኖም ኪውስኑ ይኽእሉ እዮም። ናብታ መጽሓፍ ከነሰጋግሮ እንተ ወሲንና፡ ካብ መጀመርታ ዲና ኽንጅምር ዘሎና፧ ነዚ ውሱን ሕጊ የብሉን። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ፍሉይ እዩ። ኰይኑ ግና፡ መብዛሕትኦም ተመሃሮ ንነፍሲ ወከፍ ርእሰ ነገር፡ እንደገና ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ ብዝርዝር ምስ ዜጽንዕዎ ኺጥቀሙ እዮም።
11. ነዛ ሓዳስ ብሮሹር እዚኣ፡ ጽቡቕ ጌርና ኽንጥቀመላ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
11 ኣብዛ ብስራት ሓሪምዋ ዘሎ ዓለም፡ ነቲ ዝዓበየ ብስራት ናይ ምእዋጅ ፍሉይ መሰል ተዋሂቡና ኣሎ። እዚ ብስራት እዚ ኸኣ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ከም ዘላ፡ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ኸኣ ጽድቂ ዚነብረላ ሓዳስ ዓለም ከም እተምጽእ ዚገልጽ ብስራት እዩ። (ማቴ. 24:14፣ 2 ጴጥ. 3:13) ነዚ መልእኽቲ እዚ ዚሰምዑ ሓያሎ ሰባት ነቲ፡ “እቲ ብስራት ዜበስር፡ ሰላም ዜውሪ፡ ሰናይ ዜበስር፡ ምድሓን ዜውሪ፡ ንጽዮን ከኣ፡ ኣምላኽኪ ይነግስ፡ ዚብል፡ ኣእጋሩ ኣብ ኣኽራን ክንደይ ጽቡቓት እየን” ዚብል ቃላት ከም ዜቃልሕዎ ንተኣማመን ኢና። (ኢሳ. 52:7) ሃየ እምበኣር፡ ነቶም ኣብ ክልና ዘለዉ ጽምኢ ዘለዎም ሰባት፡ በዛ ሓዳስ ብሮሹር እዚኣ ተጠቒምና ብስራት ኣምላኽ ነበስሮም!
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ሳጹን]
ነቶም ብዛዕባ ኣምላኽን ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስን ዚጠራጠሩ ሰባት ክትሰብከሎም ከለኻ፦
● ኣስፋሕቲ፡ ኣብ ገሊኡ ኸባቢ ዚነብሩ ሰባት ነተን “ኣምላኽ” ከምኡውን “መጽሓፍ ቅዱስ” ዚብላ ቓላት ዘረባ ንምዅላፍ ከም ዚጥቀሙለን ኣስተብሂሎም እዮም። ኣብዚ ኸባቢ እዚ ንዚነብሩ ሰባት መጀመርታ ክንሰብከሎም ከለና፡ ጽቡቕ ምምሕዳር ዘለዎ መንግስቲ ኽሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ፡ ንስድራ ቤታት ግብራዊ ሓገዝ ኣበይ ከም ዚርከብ፡ ከምኡውን ኣብ መጻኢ እንታይ ተዳልዩልና ኸም ዘሎ ዚገልጽ ዜገድሶም ሓሳባት እንተ ኣመያየጥናዮም ዝሓሸ እዩ። ምናልባት ንእተወሰነ ግዜ ምስ ተመያየጥና፡ በታ ብስራት ኣምላኽ ዘርእስታ ብሮሹር ተጠቒምና፡ ኣምላኽ ከም ዘሎ ብኸመይ ከም እንፈልጥን መጽሓፍ ቅዱስ ክትውከሎ ዚግባእ መጽሓፍ ዝዀነሉ ምኽንያትን ክንመያየጥ ንኽእል ኢና።
[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ሳጹን]
ካብ ቤት ናብ ቤት ክንከይድ ከለና፦
● “ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ብዛዕባ ዚመጽእ እንታይ ዕላማ ኸም ዘለዎ ብቐሊሉ ኽትፈልጠሉ እትኽእል መገዲ ኸም ዘሎ ኽሕብረካ እየ መጺአ። ኣምላኽ ካብ መከራ ዜገላግለና እዋን ከም ዘሎስ፡ ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ ብሮሹር እዚኣ፡ መልሱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣበይ ክትረኽቦ ኸም እትኽእል ትሕብር። [ነታ ብሮሹር ሃቦ እሞ፡ ኣብ ትምህርቲ 1፡ ነታ ቐዳመይቲ ሕጡብ ጽሑፍን ንኤርምያስ 29:11 ኣንብብ።] ካብዚ ዘንበብናዮ ሓሳባት፡ ኣምላኽ ኣብ መጻኢ ዝሓሸ ዅነታት ኪህልወና ዚደሊ ምዃኑስ፡ ንኽትኣምኖ ርትዓዊዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እንተ ደሊኻ፡ ነዛ ብሮሹር እዚኣ ኽትወስዳ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ዚመጽእ እዋን፡ ‘ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ካብ ጠንቅታት መከራ ዜናግፎም ብኸመይ እዩ፧’ ንዚብል ሕቶ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልሲ ኸም ዚህብ ንኽንፈልጥ ነታ ኻልአይቲ ሕጡብ ጽሑፍ ክንመያየጠላ ኢና።” እቲ ብዓል ቤት ኣብ ፈለማ፡ ግዜ እንተ ኣልይዎ፡ ነታ ኻልአይቲ ሕጡብ ጽሑፍን ነቲ ሰለስተ ጥቕስታትን ኣንቢብኩም ክትመያየጡሉ ትኽእሉ ኢኹም። ድሕሪኡ፡ ኣብ ትምህርቲ 1፡ ነታ ኻልአይቲ ሕቶ ተመሊስካ ኽትመያየጡላ ቈጸራ ግበር።
● “ሓያሎ ሰባት ብፍላይ ጸገማት ኬጋጥሞም ከሎ ኺጽልዩ ይደልዩ እዮም። ሓድሓደ ግዜ ትጽሊዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] ኣምላኽ ንዅሉ ጸሎት ዚሰምዖዶ ይመስለካ፡ ወይስ ገሊኡ ጸሎት ኣየሐጕሶን እዩ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ሕቶታት እዚ እንታይ ኢሉ ኸም ዚምልስ፡ እትሕብር ብሮሹር ሒዘልካ መጺአ ኣለኹ። [ነታ ብሮሹር ሃቦ እሞ፡ ኣብ ትምህርቲ 12፡ ነታ ቐዳመይቲ ሕጡብ ጽሑፍን ነቲ “ኣንብብ” ዚብል ጥቕስታትን ሓቢርኩም ተመያየጡሉ።] ኣምላኽ ንኺስምዓና ፍቓደኛ ምዃኑስ፡ ዜደንቕዶ ኣይኰነን፧ ካብ ጸሎት ንኽንጥቀም ግና፡ ንኣምላኽ ኣጸቢቕና ኽንፈልጦ ኣሎና። [ናብ ትምህርቲ 2 ኼድካ፡ ነቲ ንኡስ ኣርእስትታት ኣርእዮ።] እንተ ደሊኻ፡ ነዛ ብሮሹር እዚኣ ኽገድፈልካ እኽእል እየ። ካልእ ግዜ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ነዘን ባህ ዜብላ ሕቶታት እንታይ መልሲ ኸም ዚህበለን ከነንብብ ንኽእል ኢና።]
● “ሎሚ ሰባት እዛ ዓለም እዚኣ ናበይ ገጻ ተምርሕ ከም ዘላ ኺፈልጡ ይደልዩ እዮም። ብዛዕባ እዚ ኸመያይጠካ ኸኣ እየ መጺአ። ኵነታት ዚመሓየሽዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ሓያሎ ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ተስፋ ዚህብ ብስራት ሒዙ ኸም ዘሎ ምስ ዚፈልጡ ይግረሙ እዮም። ገለ ኻብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምልሶ ሕቶታት እንሆ።” ነታ ብሮሹር ሃቦ እሞ፡ ካብቲ ኣብ ድሕሪት እታ ብሮሹር ዘሎ ሕቶታት፡ ብዝያዳ እተገድሶ ሕቶ ኺመርጽ ሕተቶ። ሽዑ፡ ናብታ ትምህርቲ ኼድካ፡ መጽናዕቲ ኣጀምሮ። ኣብታ ትምህርቲ እቲኣ፡ ነታ እትቕጽል ሕቶ ምስ ተመለስካ ንኽትመያየጡላ ቘጸራ ግበር።
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ሳጹን]
ቀጥታዊ ኣቀራርባ ፈትን፦
● “መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚግበር ኬርእየካ እየ መጺአ። እዛ ብሮሹር እዚኣ፡ ንኣገደስቲ ሕቶታት፡ መልሱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣበይ ክትረኽቦ ኸም እትኽእል ዚሕብር 15 ትምህርትታት ሒዛ ኣላ። [ንቕድሚትን ድሕሪትን ገበር እታ ብሮሹር ኣርእዮ።] መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትርዳእ ፈቲንካዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ።] እቲ ትምህርታት ክሳዕ ክንደይ ቀሊል ምዃኑ ኸርእየካ እየ። [ኣብ ትምህርቲ 3፡ ን3ይቲ ሕቶ፡ ቀዳመይቲ ሕጡብ ጽሑፍ ተመያየጡላ እሞ፡ ራእይ 21:4, 5 ኣንብብ። ኣድላዪ እንተ ዀይኑ፡ ነታ እትቕጽል ሕጡብ ጽሑፍን ነቲ “ኣንብብ” ዚብል ጥቕስታትን እውን ተመያየጡ።] እንተ ደሊኻ፡ ነዛ ብሮሹር እዚኣ ኽገድፈልካ እኽእል እየ። ብኸመይ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እነጽንዕ ሓንሳእ ዘይትርእዮ፧ እንተ ፈቲኻዮ፡ ክትቅጽሎ ትኽእል ኢኻ። ካልእ መዓልቲ፡ ነታ ቐዳመይቲ ትምህርቲ ኽንመያየጠላ ንኽእል ኢና። እታ ትምህርቲ፡ ሓንቲ ገጽ ጥራይ እያ።”
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ሳጹን]
ተመላሊስካ ምብጻሕ ኣብ እተገብረሉ እዋን ነታ ሓዳስ ብሮሹር ኣፋልጥ፦
● ንሓደ ተገዳስነት ዘርኣየ ሰብ ተመሊስና ኽንበጽሖ ኸለና፡ ከምዚ ኽንብል ንኽእል ኢና፦ “ሰላም ደሓንዶ ቐኒኻ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣገደስቲ ሕቶታት እንታይ መልሲ ኸም ዚህብ እትሕብር ብሮሹር ኣምጺአልካ ኣለኹ። [ነታ ብሮሹር ሃቦ እሞ፡ ነቲ ዳሕረዋይ ገበር እታ ብሮሹር ኣርእዮ።] ብዝያዳ ዝሰሓበትካ ኣርእስቲ ኣየነይቲ እያ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ ናብታ ዝመረጻ ኣርእስቲ ኺድ።] እዛ ብሮሹር እዚኣ፡ መልሱ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትረኽቦ ብኸመይ ክትሕግዘካ ኸም እትኽእል ከርእየካ እየ።” ሓደ ወይ ክልተ ሕጡብ ጽሑፍን ነቲ “ኣንብብ” ዚብል ጥቕስታትን ብምንባብ መጽናዕቲ ጀምረሉ። በዚ ኸምዚ ብቐሊሉ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ። ድሕሪኡ፡ ነታ ብሮሹር ግደፈሉ፡ ተመሊስካ ኽትመጾ ኸኣ ቈጸራ ግበር። ንሓንቲ ትምህርቲ ተመያይጥኩም ምስ ወዳእኩም፡ እቲ ብዓል ቤት ንዝመረጻ ኻልእ ትምህርቲ ወይ ከኣ ካብ መጀመርታ እታ ብሮሹር ክትመያየጡ ትኽእሉ ኢኹም።