ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
ኣብታ ወርሒ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር ከምዚ ዚስዕብ ክትብል ትኽእል ኢኻ፦
“ዳርጋ ዅሉ ሰብ፡ ሓድሓደ ግዜ ይጽሊ እዩ። እቶም ኣብ ህልውና ኣምላኽ ዘይኣምኑ ሰባት እውን እንተ ዀኑ፡ ጸገም ኬጋጥሞም ከሎ ይጽልዩ እዮም። ኣምላኽ ንዅሉ ጸሎት ዚሰምዖዶ ይመስለካ፧” መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ፡ ኣብታ ናይ 1 ነሓሰ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ነቲ ዳሕረዋይ ገጽ ኣርእዮ እሞ፡ ኣብ ትሕቲ እታ ናይ መጀመርታ ሕቶ ንዘሎ ሓሳባትን እንተ ወሓደ ንሓደ ኻብቲ ኣብኡ እተጠቕሰ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስን ተመያየጡሉ። ነተን መጽሔታት ኣበርክተሉ፣ ነታ ስዒባ ዘላ ሕቶ ምእንቲ ኽትመያየጡላ ድማ፡ ቈጸራ ግበር።
መዘኻኸሪ፦ እዚ ኣቀራርባ እዚ፡ ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ብመርኣያ ኪቐርብ ኣለዎ።
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ነሓሰ
“ስእለ ጽዩፍ ኣመና ኣስፋሕፊሑ ምህላው ዜተሓሳስቦም ሰባት ስለ ዘለዉ ኢና ንሰባት ንበጽሖም ዘለና። ገሊኦም ሰባት ግና፡ ስእለ ጽዩፍ ጕድኣት ዘይብሉ መዘናግዒ ዀይኑ እዩ ዚስምዖም። ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] የሱስ፡ ንሓደ ነገር ብፍሪኡ ጽቡቕ ወይ ሕማቕ ምዃኑ ኽንፈልጥ ከም እንኽእል ተዛሪቡ ነይሩ እዩ። [ማቴዎስ 7:17 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ስእለ ጽዩፍ ብዛዕባ ዚፈርዮ ዘሎ ፍረ ትገልጽ። ንወልፊ ስእለ ጽዩፍ ብኸመይ ክንሓድጎ ኸም እንኽእል ዚገልጽ ግብራዊ ምኽርታት ከኣ ትህብ።”
ንቕሑ! ነሓሰ
“መብዛሕትና፡ ነዊሕ ዕድመ ኽንነብር ኢና እንደሊ። ኣብ ስነ ፍልጠት ዚርአ ዘሎ ምዕባለታት፡ ንዘለኣለም ከም እንነብር ኪገብረና ዚኽእልዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ነዚ ዚማርኽ መብጽዓ እሞ ኣስተብህለሉ። [1 ቈረንቶስ 15:26 ኣንብብ።] ኰይኑ ግና፡ ኣምላኽ ነዚ መብጽዓ እዚ፡ ብስነ ፍልጠት ድዩ ዚፍጽሞ ወይስ ብኻልእ መገዲ፧ ስለምንታይ ኢና እንኣርግን እንመውትን፧ እዛ መጽሔት እዚኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሕቶታት ብኸመይ ከም ዚምልሶ ትገልጽ።”