ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 7/13 ገጽ 8
  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • ስለምንታይ እየ ኻብ ስእለ-ጽዩፍ ክርሕቕ ዘሎኒ፧
    መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
  • ስእለ ጽዩፍ—ጕድኣት ዘይብሉ ድዩ ወይስ ሓደገኛ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
km 7/13 ገጽ 8

ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት

ኣብታ ወርሒ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር ከምዚ ዚስዕብ ክትብል ትኽእል ኢኻ፦

“ዳርጋ ዅሉ ሰብ፡ ሓድሓደ ግዜ ይጽሊ እዩ። እቶም ኣብ ህልውና ኣምላኽ ዘይኣምኑ ሰባት እውን እንተ ዀኑ፡ ጸገም ኬጋጥሞም ከሎ ይጽልዩ እዮም። ኣምላኽ ንዅሉ ጸሎት ዚሰምዖዶ ይመስለካ፧” መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ፡ ኣብታ ናይ 1 ነሓሰ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ነቲ ዳሕረዋይ ገጽ ኣርእዮ እሞ፡ ኣብ ትሕቲ እታ ናይ መጀመርታ ሕቶ ንዘሎ ሓሳባትን እንተ ወሓደ ንሓደ ኻብቲ ኣብኡ እተጠቕሰ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስን ተመያየጡሉ። ነተን መጽሔታት ኣበርክተሉ፣ ነታ ስዒባ ዘላ ሕቶ ምእንቲ ኽትመያየጡላ ድማ፡ ቈጸራ ግበር።

መዘኻኸሪ፦ እዚ ኣቀራርባ እዚ፡ ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ብመርኣያ ኪቐርብ ኣለዎ።

ግምቢ ዘብዐኛ 1 ነሓሰ

“ስእለ ጽዩፍ ኣመና ኣስፋሕፊሑ ምህላው ዜተሓሳስቦም ሰባት ስለ ዘለዉ ኢና ንሰባት ንበጽሖም ዘለና። ገሊኦም ሰባት ግና፡ ስእለ ጽዩፍ ጕድኣት ዘይብሉ መዘናግዒ ዀይኑ እዩ ዚስምዖም። ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] የሱስ፡ ንሓደ ነገር ብፍሪኡ ጽቡቕ ወይ ሕማቕ ምዃኑ ኽንፈልጥ ከም እንኽእል ተዛሪቡ ነይሩ እዩ። [ማቴዎስ 7:17 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ስእለ ጽዩፍ ብዛዕባ ዚፈርዮ ዘሎ ፍረ ትገልጽ። ንወልፊ ስእለ ጽዩፍ ብኸመይ ክንሓድጎ ኸም እንኽእል ዚገልጽ ግብራዊ ምኽርታት ከኣ ትህብ።”

ንቕሑ! ነሓሰ

“መብዛሕትና፡ ነዊሕ ዕድመ ኽንነብር ኢና እንደሊ። ኣብ ስነ ፍልጠት ዚርአ ዘሎ ምዕባለታት፡ ንዘለኣለም ከም እንነብር ኪገብረና ዚኽእልዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ነዚ ዚማርኽ መብጽዓ እሞ ኣስተብህለሉ። [1 ቈረንቶስ 15:26 ኣንብብ።] ኰይኑ ግና፡ ኣምላኽ ነዚ መብጽዓ እዚ፡ ብስነ ፍልጠት ድዩ ዚፍጽሞ ወይስ ብኻልእ መገዲ፧ ስለምንታይ ኢና እንኣርግን እንመውትን፧ እዛ መጽሔት እዚኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሕቶታት ብኸመይ ከም ዚምልሶ ትገልጽ።”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ