ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
ኣብታ ወርሒ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር ከምዚ ዚስዕብ ክትብል ትኽእል ኢኻ፦
“ሎሚ መብዛሕትኦም ሰባት ንየሱስ ከምቲ ኽልተ ሽሕ ዓመት ይገብር ዝነበሮ፡ ማለት ኣብ መብልዕ ማል ከም ዘሎ ህጻን፡ ወይ ኣብ ጕንዲ ስቅያት ከም ዘሎ ሰብኣይ ገይሮም እዮም ዚስእልዎ። ይኹን እምበር፡ የሱስ ሎሚ እንታይ ዚገብር ዘሎ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዚ ዚስዕብ እንታይ ከም ዚብል ርአ።” ድሕሪኡ፡ ነቲ ብዓል ቤት ናይ 1 ነሓሰ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ሃቦ፣ ነቲ ኣብ ገጽ 16 ኣብ ትሕቲ እቲ ናይ መጀመርታ ንኡስ ኣርእስቲ ዚርከብ ሓሳብ ከኣ ተመያየጡሉ። ነታ መጽሔት ኣበርክተሉ፣ ኣብ ዚቕጽል እዋን ተመሊስካ ነታ ስዒባ ዘላ ሕቶ ምእንቲ ኽትመያየጡላ ኸኣ ቈጸራ ግበር።
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ነሓሰ
“ሓያሎ ሰባት ብተኣምራት ይኣምኑ እዮም። ገሊኣቶም ግና ይጠራጠሩ እዮም። ተኣምራት ብሓቂ ዚፍጸምዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዚ ዚስዕብ ብዛዕባ ኣብ መጻኢ ዚፍጸም ተኣምር ዚገልጽ መብጽዓ፡ ንሓያሎ ሰባት ብተስፋ ኸም ዚጽበዩ ገይርዎም እዩ። [ንሓደ ኻብቲ ኣብ ገጽ 9-10 ዘሎ ጥቕስታት ኣንብቦ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ነቲ ብዛዕባ ተኣምራት ብተደጋጋሚ ዚስማዕ ሰለሰተ ተቓውሞታት ምላሽ ትህበሉ።”
Awake! August
“ኣብዚ እዋን እዚ ሓያሎ ሰባት፡ ብፍላይ ኣብ እዋን ጸልማት ንበይኖም ኪወጹ ይፈርሁ እዮም። ኣብዛ ዓለም እዚኣ፡ ዓመጽ ንኽንኪ ኺግበር ዚኽእል ነገር ዘሎዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ምስ ካልኦት ሰባት ዝያዳ ሰላማውያን ምእንቲ ኽንከውን፡ ኵላትና ብዛዕባ ኽንገብሮ እንኽእል ነገራት ትገልጽ። እዚ ዚስዕብ ትንቢት ብኸመይ ከም ዚፍጸም እውን ተብርህ እያ።” መዝሙር 72:7 ኣንብብ።