“ነዚ ኣነ ዝህበካ ጽሑፍ እንተ ተቐቢልካኒ እየ ዝቕበለካ”
እዚ ርእይቶ እዚ፡ ብገሊኦም ሰብ ቤት ዚቐርብ ሓሳብ እዩ። ኰይኑ ግና ነቲ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሕግዝ ጽሑፋትና ሂብና፡ ጌጋ ትምህርቲ ዜመሓላልፍ ሃይማኖታዊ ጽሑፋት ኣይንቕበልን ኢና። ይኹን እምበር፡ ብሜላ ኽንምልስ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ሮሜ 1:25) ከምዚ ዚስዕብ ክንብል ንኽእል ኢና፦ “አመስግነካ። ቅድሚ ምቕባለይ ግና፡ እቲ ጽሑፍካ ብዛዕባ መፍትሒ ጸገማት ደቂ ሰብ እንታይ ይብል፧ [መልሲ ተጸበ። መልሲ ንምርካብ ነቲ ጽሑፍ ከተንብቦ ኸም እትኽእል እንተ ነጊሩካ፡ ነቲ ኸተበርክተሉ ዝሓሰብካዮ ጽሑፍ ትሕዝቶኡ ኸም ዝገለጽካሉ ኸተዘኻኽሮ ትኽእል ኢኻ። ድሕሪኡ፡ ማቴዎስ 6:9, 10 ኣንብበሉ ወይ ጥቐሰሉ።] የሱስ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ፍቓድ የሆዋ ኣብ ምድሪ ኸም ዚፍጸም ከም እትገብር ሓቢሩ እዩ። ስለዚ፡ እቲ ኣነ ዘንብቦ ሃይማኖታዊ ጽሑፍ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እዩ ዜጕልሕ። መንግስቲ ኣምላኽ ብዛዕባ እትዓምሞ እተወሰነ ነገራት፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ኣርኣኹኻ እንታይ ይመስለካ፧”