‘ነቶም ህዝቢ ኣክቦም’
1. ኣኼባታት ኣውራጃን ኣህጉራዊ ኣኼባታትን፡ ምስቲ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ምስ ወጹ ነዊሕ ከይጸንሑ ዝገበርዎ ኣገዳሲ ኣኼባ ዚመሳሰል ብኸመይ እዩ፧
እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ምስ ወጹ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ የሆዋ ንሙሴ፡ ነቶም ህዝቢ ኣብ ከረን ሲና ‘ኺእክቦም’ ነገሮ። እዚ ኸኣ፡ እቶም ህዝቢ ንየሆዋ ምእንቲ ኺፈርህዎን ንደቆም ከኣ መገድታቱ ምእንቲ ኺምህርዎምን እዩ። (ዘዳ. 4:10-13) ኣየ ሽዑስ ከመይ ዝበለ ዘይርሳዕን እምነት ዜደልድልን ኣጋጣሚ ዀን እዩ ነይሩ! ኣብዚ ዚመጽእ ሒደት ኣዋርሕ እውን፡ ህዝቢ የሆዋ ብእኡ ምእንቲ ኺምሃሩ፡ ኣብ ኣኼባታት ኣውራጃን ኣህጉራዊ ኣኼባታትን ኪእከቡ እዮም። እሞኸ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽንጥቀም እንታይ ክንገብር ኣሎና፧
2. ንኣኼባ ኣውራጃና ወይ ንኣህጉራዊ ኣኼባና ‘ንኽንዳሎ’ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧
2 ‘ተዳሎ’፦ የሆዋ ንእስራኤላውያን ነቲ ኣብ ከረን ሲና እተገብረ ታሪኻዊ ኣኼባ ‘ንኺዳለዉሉ’ ኣቐዲሙ ኣዚዝዎም ነበረ። (ዘጸ. 19:10, 11) ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ እቶም ኣብቲ ኣኼባታት ክፍሊ ዘለዎም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኵሎም ተኣከብቲ ብግቡእ ኪዳለዉ ኣለዎም። ንኣብነት፡ ሓያሎ ኻብ ስራሖም ዕረፍቲ ንኺውሃቦም ፍቓድ ኪሓትቱ ኼድልዮም እዩ። ምናልባት፡ ኵነታትካ ምስ ናይ ነህምያ ይመሳሰል ይኸውን። እቲ ኣሰላፍ ወይኒ ንጉስ ኣርታሕሻስታ ዝነበረ ነህምያ፡ ስራሑ ገዲፉ ናብ የሩሳሌም ምእንቲ ኪኸይድን መናድቕ የሩሳሌም ኣብ ምህናጽ ምእንቲ ኺሕግዝን፡ ካብ ንጉስ ፍቓድ ኪውሃቦ ደልዩ ነበረ። ግናኸ፡ እቲ ንጉስ ኪኣብዮ ስለ ዚኽእል፡ ነህምያ ጸለየ እሞ፡ ብትብዓት ልመናኡ ኣቕረበ። ሽዑ፡ እቲ ንጉስ ኪኸይድ ፈቐደሉ፡ ነቲ ህንጻ ዚኸውን ደገፍ ከይተረፈ እውን ሃቦ። (ነህ. 2:1-9) ንስኻ እውን፡ ካብ ኣስራሒኻ ፍቓድ ኣብ ርእሲ ምሕታትካ፡ ንመገሻ ዜድልየካ ነገራትን መዕረፊኻን ኣዳሊኻ ዲኻ፧ ሽማግለታት ንዅሎም እቶም ደገፍ ዜድልዮም ሰባት ንኺሕግዙ ሕጕሳት እዮም። ኣብ ኵሉ እቲ ኣኼባታት ኣቐዲምካ ንኽትበጽሕ መደብ ግበር፣ ናብቲ እትሰምዖ ‘ኣዚኻ ምእንቲ ኸተቕልብ’ ከኣ ተዳሎ።—እብ. 2:1።
3. ንኣኼባ ኣውራጃ ወይ ንኣህጉራዊ ኣኼባ ልብና ንምድላው እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧
3 ምእንቲ ኽንሰምዕን ክንመሃርን ልብና ኸነዳሉ እውን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። (እዝ. 7:10) መደብ እቲ ኣኼባ ኣብ jw.org ኣቐዲሙ ኺኣቱ እዩ። ኣርእስትታት ኵሉ መደረታትን ምስ ነፍሲ ወከፍ ኣርእስቲ እቲ መደረታት ዚኸይድ ሓደ ወይ ክልተ ጥቕስታትን ዝሓዘ ኸኣ እዩ። ነዚ መደብ እዚ፡ እቲ እተመደብናሉ ኣኼባ ኣብ ዚቐርበሉ ሰሙናት፡ ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤትና ኽንመያየጠሉ ንኽእል ኢና። ገሊኦም ኣስፋሕቲ፡ ነዚ መደብ እዚ ሓቲሞም፡ ኣብ እዋን እቲ ኣኼባ፡ መዘኻኸሪታት ይጽሕፉሉ እዮም።
4. ወለዲ ንኣኼባታት ኣውራጃን ንኣህጉራዊ ኣኼባታትን ንደቆም ንምምሃር ኪጥቀሙሉ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
4 ‘ንደቅኻ መሃሮም’፦ ሓደ ኻብቲ ዕላማታት እቲ ኣብ ከረን ሲና እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ፡ እስራኤላውያን ወለዲ ‘ንደቆም ምእንቲ ኺምህሩ’ እዩ። (ዘዳ. 4:10) ሎሚ እውን ኣኼባታት ኣውራጃን ኣህጉራዊ ኣኼባታትን ንወለዲ፡ ንደቆም ንኺምህርዎም ፍሉይ ኣጋጣሚ እዩ ዚኸፍተሎም። ወለዲ ንደቆም ኣብ እዋን እቲ ኣኼባ ምስኦም ኮፍ ኬብልዎምን ንኬቕልቡ ኺሕግዝዎምን ይግባእ። ስድራ ቤታት፡ ኣብ ኵለን እተን መዓልታት፡ ድሕሪ እቲ ኣኼባ ዀነ ጸኒሐን ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤተን ነቲ ትምህርቲ ሓቢረን ኪመያየጣሉ ይኽእላ እየን።
5. ካብቲ ዚመጽእ ዘሎ ኣኼባ ኣውራጃ ወይ ኣህጉራዊ ኣኼባ ብኸመይ ኢና ኽንጥቀም፧
5 እቲ ኣብ ከረን ሲና እተገብረ ኣገዳሲ ኣኼባ፡ ንእስራኤላውያን ነቲ ኸም ህዝቢ ኣምላኽ መጠን እተዋህቦም ፍሉይ መሰል ንኼማስዉሉ ሓጊዝዎም እዩ። (ዘዳ. 4:7, 8) እቲ ዚመጽእ ዘሎ ኣኼባ ኣውራጃና ወይ ኣህጉራዊ ኣኼባና እውን ብተመሳሳሊ መገዲ ንኺጠቕመና ተባሂሉ እዩ ተዳልዩ። ንሰለስተ መዓልቲ ዚኣክል ካብ በረኻ እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ወጺእና ኣብ መንፈሳዊ ገነትና ባህ ዜብል መንፈሳዊ ምግቢ ኽንምገብን ዚሃንጽ ምሕዝነት ከነስተማቕርን ኢና። (ኢሳ. 35:7-9) መዓልቲ የሆዋ እናቐረበት ኣብ እትመጽኣሉ ዘላ እዋን፡ ነዚ ንኽንተባባዕ ኢልና ብሓንሳእ እንእከበሉ ኣጋጣሚ ኣይንሕደጎ።—እብ. 10:24, 25።