ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 5/14 ገጽ 2
  • ሰዓትካ ኣኽብር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሰዓትካ ኣኽብር
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሰዓት ከተኽብር ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ሰዓት ምኽባር
    ንቕሑ!—2016
  • ንቤት ኣምላኽ ሞሳ ኣርኢ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
  • ነቲ ብስራት ብዝበቅዕ ጠባይ ተመላለስ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
km 5/14 ገጽ 2

ሰዓትካ ኣኽብር

1. የሆዋ፡ ሰዓት ብምኽባር ዝመጸ እንታይ ኣብነት እዩ ገዲፉልና፧

የሆዋ ወትሩ ሰዓቱ የኽብር እዩ። ንኣብነት፡ ንኣገልገልቱ ‘ብግዜኡ ይረድኦም’ እዩ። (እብ. 4:16) ብዘይካዚ፡ መንፈሳዊ ‘ምግቢ በብግዜኡ ይህቦም’ እዩ። (ማቴ. 24:45) ስለዚ፡ መዓልቲ ቝጥዓኡ ‘ኸም ዘይትድንጒ’ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። (ኣን. 2:3) የሆዋ ሰዓቱ ዜኽብር ምዃኑስ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ዚጠቕመና! (መዝ. 70:5) ይኹን እምበር፡ ዘይፍጹማትን ብስራሕ ትሑዛትን ከም ምዃንና መጠን፡ ሰዓትና ምኽባር ብሓቂ በዳሂ ኪዀነና ይኽእል እዩ። ሰዓትና ኸነኽብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

2. ሰዓትካ ምኽባር ንየሆዋ ኽብሪ ዜምጽኣሉ ስለምንታይ እዩ፧

2 ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዘለዉ ብዙሓት ሰባት፡ ፈተውቲ ርእሶምን ርእሶም ዘይገትኡን ስለ ዝዀኑ፡ ሰዓትካ ምኽባር ኣጸጋሚ እዩ። (2 ጢሞ. 3:1-3) ስለዚ፡ ክርስትያናት ኣብ ስራሕን ኣብ ቈጸራን ኣብ ኣኼባታትን ሰዓቶም ኬኽብሩ ኸለዉ፡ ነዚ ኻልኦት ሰባት የስተብህሉሉ እዮም፣ ንየሆዋ ድማ ክብሪ የምጽኣሉ እዩ። (2 ጴጥ. 2:12) ኣብ ዓለማዊ ስራሕና መብዛሕትኡ ግዜ ሰዓትና ነኽብር፡ ኣብ ቲኦክራስያዊ ጕዳያት ግና ንድንጒ ዲና፧ ንክርስትያናዊ ኣኼባታት፡ እንተላይ ንመኽፈቲ መዝሙርን ንጸሎትን ብዚምልከት ሰዓትና ምኽባርና፡ ነቲ ናይ ስርዓት ኣምላኽ ዝዀነ ሰማያዊ ኣቦና ንኽንመስሎ ዘሎና ባህጊ ዜንጸባርቕ እዩ።—1 ቈረ. 14:33, 40።

3. ሰዓትካ ምኽባር ንኻልኦት ከም እትሓልየሎም ዜርኢ ስለምንታይ እዩ፧

3 ሰዓትካ ምኽባር ንኻልኦት ከም እትሓልየሎም እውን ዜርኢ እዩ። (ፊል. 2:3, 4) ንኣብነት፡ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት፡ እንተላይ ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ሰዓትና ነኽብር እንተ ዄንና፡ ክርስትያን ብጾትና ኣይርበሹን እዮም። ብኣንጻሩ ግና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንድንጒ እንተ ዄንና፡ ግዜና ኻብ ናታቶም ዝበለጸ ጌርና ኸም እንሓስብ ኪመስሎም ይኽእል እዩ። ሰዓት ዜኽብር ሰብ፡ ከም ትውክልቲ ዚግበሮን ትጉህን እሙንን ጌርካ ዚርአ ኪኸውን ከሎ፡ እዚ ባህርያት እዚ ድማ ኣብ ከባቢና ዚርከቡ ሰባት ዜድንቕዎ እዩ።

4. ብዙሕ ግዜ ንድንጒ እንተ ዄንና፡ ከነመሓይሽ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

4 ብዙሕ ግዜ ትድንጒ እንተ ዄንካ፡ ስለምንታይ ከም እትድንጒ ሕሰብ። ዕዮኻ ኣብ ግቡእ ግዜኡ ንኽትውድእ ዜኽእለካ ግብራዊ መደብ ብምውጻእ፡ ገዛእ ርእስኻ ወድብ። (መክ. 3:1፣ ፊል. 1:10) ምእንቲ ኺሕግዘካ፡ ንየሆዋ ለምኖ። (1 ዮሃ. 5:14) ሰዓትካ ምኽባር፡ ንኽልተ ዓበይቲ ትእዛዛት፡ ማለት ንፍቕሪ ኣምላኽን ንፍቕሪ ብጻይካን ሞሳ ኸም ዘሎካ እተርእየሉ ሓደ መገዲ እዩ።—ማቴ. 22:37-39።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ