ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 11/95 ገጽ 2
  • ነቲ ብስራት ብዝበቅዕ ጠባይ ተመላለስ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ነቲ ብስራት ብዝበቅዕ ጠባይ ተመላለስ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንቤት ኣምላኽ ሞሳ ኣርኢ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
  • ጽቡቕ ጠባይ—ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ዝልለይሉ ባህሪ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
  • ነቲ ናይ የሆዋ ቦታ ኣምልኾ ኣኽብሮ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
  • ሰዓትካ ኣኽብር
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
km 11/95 ገጽ 2

ነቲ ብስራት ብዝበቅዕ ጠባይ ተመላለስ

1 ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠን ንስም የሆዋ ክብሪ ክንህብ ኢና እንደሊ። ጠባይና: ኣዘራርባና: ኣቃውማና: ከምኡውን ኣከዳድናና ካልኦት ነቲ ሓቀኛ ኣምልኾ ብኸመይ ከም ዝርእይዎ ክጸልዎም ይኽእል ኢዩ። ኣብ ኣኼባታትና ምስ እንህሉ እዚ ብፍላይ ሓቂ ኢዩ። ዝዀነ ይኹን ኣብ ኣኼባታት ዝብሃልን ዝግበርን ነገራት ነቲ ብስራት ዝበቅዕን ንየሆዋ ክብሪ ዝህብን ምዃኑ ከነረጋግጽ ኢና እንደሊ።​—⁠ፊል. 2:⁠4

2 ዝበዝሑ እቶም ናይ ዓለም ናይ ክዳንን ኣቃውማን መዐቀኒታት ንክርስትያናት ቅቡላት ኣይኰኑን። እዚ በቶም ኣገልገልቲ ናይቲ ብስራት ጥንቁቕ ኣቓልቦ ክወሃቦ ዝግባእ ኢዩ። እታ ናይ 11: 6: 110 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 13 ከምዚ ትብል:- “እንኽደኖ ክዳውንቲ ግድን ክቡር ዝዋግኡ ክኸውን የብሉን: የግዳስ ጽሩይ: [ደስ ዘብል: ከምኡውን ሕንኪ ዘለዎ ክኸውን ይግብኦ]። ጫማናውን ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ዘሎን ትርኢቱ ድማ ጽቡቕን ክኸውን ኣለዎ። ብተመሳሳሊ: ኣብ ኵሉ ኣኼባታት: ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ እውን ሓዊስካ: ኣካላትና ጽሩይ ክኸውን ኣለዎ: ከምኡውን ብጽፈትን ብስርዓትን ክንክደን ይግብኣና።” ጽቡቕ ተኸዲንካ ምእንቲ ክትርአ: ዝበዝሑ ክዳውንቲ ክስታረሩ ኣለዎም ኢልናውን ክንውስኸሉ ንኽእል ኢና።

3 ግዜ ምሕላው ናይ ፍቕራዊ ሓልዮትን ምስትውዓልን ምልክት ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ ከተወግዶም ዘይትኽእል ኵነታት ናብ ጉባኤ ኣብ ግዜና ከይንበጽሕ ክዓግቱና ይኽእሉ ኢዮም። ይኹን እምበር: ከም ልማድ ደንጒኻ ናብ ኣኼባታት ምምጻእ ነቲ ቅዱስ ዕላማ ናይቲ ኣኼባታት ክብሪ ዘይምሃብ ከምኡውን ነቲ ንኻልኦት ዝርብሽ ንምውጋድ ዘሎና ሓላፍነት ዘይምምሳው ዘርኢ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ደንጕዮም ዝመጹ ሰባት ንኻልኦት ሓሳቦም ከም ዝዝንብል ይገብርዎ ከምኡውን ካብቲ መደብ ምሉእ ብምሉእ ንኸይጥቀሙ ይኽልክልዎም ኢዮም። ግዜ ምሕላው ናይ ኵሎም ተኣከብቲ ስምዒትን ጥቕምታትን ምኽባር ኢዩ ዘርኢ።

4 ንብጾትና ዘሎና ፍቕሪ ኣብ ግዜ ኣኼባታት መዘንበሊታት ንምውጋድ ጥንቁቓት ክገብረና ኣለዎ። ምሕሹዅሻዅ: ምብላዕ: ማስቲካ ምሕያኽ: ወረቓቕቲ ሓሸውሸው ምባል: ከምኡውን ናብ ዓይኒ ምድሪ ዘየድሊ ምምልላስ ምግባር ነቲ ናይ ካልኦት ምክትታል ክዘርጎ ይኽእል ከምኡውን ነቲ ናይ የሆዋ ናይ ኣምልኾ ቦታ ክወሃቦ ዝግባእ ክብሪ የጕድሎ ኢዩ። ነቶም ኣሕዋት ካብ ኮፍ መበሊኦም ክትስኡ ዝሓቶም ገለ ህጹጽ ጉዳይ እንተዘየልዩ: ዝዀነ ካልእ ሰብ ናይ ጉባኤ ጉዳይ ክገብር ወይ ክዘራረብ ግቡእ ኣይኰነን። ኵሎም ንገዛእ ርእሶምን ንስድራቤቶምን ምእንቲ ክጠቕሙ ኮፍ ክብሉን ነቲ መደብ ክሰምዕዎን ኣለዎም። ዘይእሩም ጠባያት ኣብቲ መንግስቲ ኣዳራሽ ቦታ የብሎምን: ምኽንያቱ “ፍቕሪ . . . ኣይተስተሓፍርን እያ።”​—⁠1 ቈረ. 13:​4, 5፣ ገላ. 6:⁠10

5 እቲ ኣብ ጉባኤ ዝርአ ናይ ደቅና ጽቡቕ ባህርያት እውን ንስም የሆዋ ውዳሰን ክብርን የምጽኣሉ ኢዩ። ብወለዲ ጥብቂ ዝዀነ ምክትታል ኣድላዪ ኢዩ። ቈልዑ ክሰምዑን ክሳተፉን ክተባብዑ ኣለዎም። ናእሽቱ ውሉዳት ዘለውዎም ብዙሓት ወለዲ ኣብቲ ንኻልኦት ብዘየድሊ ከይረበሹ ብቐሊሉ ክወጽሉ ከምኡውን ነቲ ንውሉዳቶም ዘድልዮም ክገብርሎም ዝኽእልሉ ቦታ ኮፍ ክብሉ ኢዮም ዝመርጹ።

6 ጳውሎስ “ነቲ ብስራት ብዝበቅዕ ጠባይ ተመላለሱ” ኢሉ ይምዕድ። (ፊል. 1:⁠27 ትሓዓ ) ስለዚ እምበኣር ኣኼባታት ክንሳተፍ ከሎና ጠባይ ዘሎናን ንኻልኦት እንሓልን ክንከውን ንጽዓር። ብዅሎም ምትሕብባር ምስ ዝህሉ ‘በታ ኣብ ሓድሕድ ዘላ እምነት ምጽንናዕ’ ክህሉ ምዃኑ ክረጋገጽ ኢዩ።​—⁠ሮሜ 1:⁠12

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ