ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 1/98 ገጽ 1
  • ነቲ ናይ የሆዋ ቦታ ኣምልኾ ኣኽብሮ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ነቲ ናይ የሆዋ ቦታ ኣምልኾ ኣኽብሮ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቲ ብስራት ብዝበቅዕ ጠባይ ተመላለስ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
  • እዚ ቦታ ኣምልኾና እዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ንቕዱስ ኣኼባታትና ኣኽብሮት ምርኣይ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ንቦታታት ኣምልኾ እተሰርዐ ስርዓት
    ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
km 1/98 ገጽ 1

ነቲ ናይ የሆዋ ቦታ ኣምልኾ ኣኽብሮ

1 ኣብ እንዳ ኻልእ ሰብ ገዛ ተዓዲምና ምስ እንኸይድ: ክጽይቕ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ብዘይ ምግባር ንንብረት ናይቲ ሰብ ነኽብር ኢና: ናይቲ በዓል ቤት ስርዓታዊ ዝዀነ ልሙድ ኣሰራርሓ እውን ኣይንዝርግን ኢና። ዕዱማት የሆዋ ኴንና ክንርከብ ከሎናኸ: ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ እዚ ብዝያዳ ሓቂ ክኸውን ዘለዎ! ኣብ ቤቱ ምስ እንኸይድ ብኸመይ ክንመላለስ ከም ዘሎና ክንፈልጥ ይግብኣና። (መዝ. 15:⁠1፣ 1 ጢሞ. 3:⁠15) ክርስትያናዊ ኣኼ​ባና ዝካየድ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ይኹን: ኣብ ብሕቲ ገዛ: ወይ ድማ ኣብ ናይ ህዝቢ ኣደራሽ ብዘየገድስ: ኵላትና ነቲ ቦታ ኣምልኾና ከም ገዛ ናይቲ “ግርማኡ ኣብ ልዕሊ ሰማይን ምድርን” ዝዀነ የሆዋ ገይርና ብምርኣይ ኵሉ ግዜ ነኽብሮ።​—⁠መዝ. 148:⁠13

2 እቲ ንየሆዋ ኣምልኾ ዝዋሃበሉ ቦታ: ናይ ኣሰምብሊ ኣደራሻት ይኹን ኣደራሽ መንግስቲ ወይ ድማ ንኣኼባታት እንጥቀመሉ ናይ ብሕቲ ገዛ ምኽባር ክበሃል ከሎ ንየሆዋ ኽብሪ ንምምጻእ ነቲ ቦታ ብጽሬት ምሓዝን ጽቡቕ ምሕዳስ ምግባርን ዘጠቓልል ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢና: ክንኣቱ ኸለና ኣሳእና እንጸርግ። ኣብቲ መናድቕ ናይ ኣጻብዕቲ ምልክት ካብ ምግባር ንቝጠብ። ዝወደቐ ወረቓቕቲ: ፌስታላት ወይ ድማ ካልእ ነገራት እንተሎ ነልዕል። ኣብቲ ናይ ጽሬት መደብ ምክፋል መሰል ገይርና ኢና እንርእዮ። እዚ ነቲ ሽቓቓት ብጽሬት ምሓዙ ዘጠቓልል ኢዩ። (ዘዳ. 23:⁠14) እተሰባበረ መናብር ወይውን ካብ ቦትኡ ዝወጸ መሳምር ጕድኣት ዘስዕብ ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ዓቢ ኽብሪ ዘለዎ መልእኽትና ዘናእስውን ስለ ዝዀነ ሓድሓደ ግዜ ምዕራይ ኣድላዪ ኢዩ። ናይ ኣኼባ ቦታና በብእዋኑ ሓዲሽ ቀለም ምልካይ እውን ይደሊ ኢዩ። እቲ ትምህርቲ መጽሓፍ ዝግበረሉ ቦታ ቀለም ምልካይ ምስ ዘድልዮ: ብዝግባእ ምእንቲ ክፍጸም እቶም ኣብኡ ዝእከቡ ሰባት ብገንዘብ ወይ ድማ ብጉልበት ክሕግዙ ይከኣል ኢዩ። እዚ ንቤት ኣምልኾ የሆዋ ከም ዘኽበርናን ሸለል ከም ዘይበልናን እንገልጸሉ መገድታት ኢዩ።​—⁠ነህ. 10:⁠39

3 ኽብሪ ዘይምርኣይ ብኸመይ ከም ዝውገድ:- ኣምልኾና ግርማ ዘለዎን ቅዱስ ምዃኑን እንተድኣ ተገንዚብና: ሑሽዅሹኽ ብምባል: ብምብላዕ: ማስቲካ ብምሕያኽ: ወረቓቕቲ ሓሸሽ ብምባል: ናብ ሽቓቕ ዘየድሊ ምምልላስ ወይ ድማ ናብ ኣኼባታት ደንጒኻ ምምጻእ ልምዲ ብምግባር ናይ ካልኦት ኣቓልቦ ክንዘርግ ከም ዘይንደሊ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ኽብሪ ዘለዎምን ሞሳ ዘርእዩን ወለዲ ነቲ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ወይ ድማ ኣብቲ ትምህርቲ መጽሓፍ ዝግበረሉ ገዛ ዘሎ ምድሪ ቤት: ናይ ሳሎን መሸፈኒ ኣጭርቕቲ: ወይ ድማ መናድቕ ከርስሕዎ ኣይፈቕዱን ኢዮም። ናይ ኣኼባ ቦታና መጻወቲ ቦታ ከም ዘይኰነ ኣነጺሮም ንደቆም ብምግላጽ ድሕሪ ኣኼባታት እውን እንተዀነ ይቈጻጸርዎም ኢዮም። ዝዀነ ይኹን ዘሕፍር ጠባይ: ዘረባ ዕሽነት: ወይውን ዘይግባእ ዋዛ ኣብ ኣኼባታትና ብርግጽ ቦታ ከም ዘይብሉ ኵላትና ከም እንሰማማዓሉ ኣየጠራጥርን ኢዩ።​—⁠ኤፌ. 5:⁠4

4 ዕላማ ናይ ክርስትያናዊ ኣኼባታትና ኵሉ ግዜ እንተድኣ ዘኪርናዮ: ንሕናን ደቅናን ኣብቲ ‘ሓለውቲ ምዃን ይሕሸና’ ዝበልናዮ ቦታ ንኣምልኾ የሆዋ ግቡእ ክብሪ ከም ዘርኣና ርግጸኛታት ክንከውን ኢና።​—⁠መዝ. 84:⁠10

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ