ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 12/94 ገጽ 1
  • ንቤት ኣምላኽ ሞሳ ኣርኢ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንቤት ኣምላኽ ሞሳ ኣርኢ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንቕዱስ ኣኼባታትና ኣኽብሮት ምርኣይ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ሰዓት ከተኽብር ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ንክርስትያናዊ ኣኼባታት ሞሳኻ ምርኣይ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ነቲ ብስራት ብዝበቅዕ ጠባይ ተመላለስ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
km 12/94 ገጽ 1

ንቤት ኣምላኽ ሞሳ ኣርኢ

1 ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ: የሆዋ ንህዝቡ ስርዓታውያን ኮይኖም ኣብ ቤቱ ክእከቡ ኣዚዙዎም ነበረ። (ዘሌ. 23:​2) እዞም ኣኼባታት እዚኣቶም ንምስትንታንን ንምሕባርን ብዛዕባ ሕጊ የሆዋ ንምምይያጥን ግዜ ብምሃብ ኣእምሮኦም ኣብ ቃል አምላኽ ንኸተኵር ሓገዞም። ኣእምሮኦም ብሓሳብ ኣምላኽ መሊኡ ብዙሕ መንፈሳዊ በረኸታት የምጽኣሎም ነበረ። እዚኣቶም ብሓቂ ዘሐጕሱ ኣጋጣሚታት ኢዮም ነይሮም። እዚ ኣሰራርዓ እዚ ሕብረትን ንጹህ ኣምልኾን ኣስፈሐ። ሕጂውን ኣብ ቤት ኣምላኽ ምእካብ ካብዚ ዘይንእስ ኣገዳስነት ኣለዎ።

2 ንኣኼባታት ከም እነማስወሉ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል? ገለ ጉባኤታት ዝወሓደ ቍጽሪ ተኣከብቲ ጸብጻብ ይህባ። ሓድሓደ ግዜ ናይ ሓደ ሰብ ኵነታት ኣብ ኣኼባ ከይካፈል ይኽልክልዎ ይኾኑ ኢዮም። ይኹን እምበር ብተዛማዲ ንኣሽቱ ዝኾኑ ሽግራት ነቲ ስርዓታዊ ኴንካ ኣብ ኣኼባ ምእካብ ከታዓናቕፎ ፈቒድካሉዶ ኢኻ? ገሊኦም ቁሩብ ሕማም ርእሲ ምስ ዝህልዎም ወይ ድማ ብስራሕ ትሑዛት ኮይኖም ድሕሪ ምውዓሎም ድኻም ምስ ዝስምዖም ኣብ ገዝኦም ክተርፉ ወሲኖም ኢዮም። ካልኦት ክበጽሕ ንዝደሊ ዘይኣማኒ ዘመዶም ከአንግዱ ግዴታ ተሰሚዕዎም ኢዩ። አረ ገሊኦምሲ ዝፈትውዎ ናይ ቲቪ መደብ ወይ ድማ ናይ ስፖርት ፍጻመ ምእንቲ ክከታተሉ ኣኼባታት ኣብኲሮም ኢዮም። እቲ ኣብዚ ኵነታት እዚ ተገሊጹ ዘሎ ናይ ሞሳ ምርኣይ ዓቐን: ካብቲ ብደቂ ቆራሕ እተገልጸ ልባዊ ድሌት ዝተሓተ ኢዩ:- “ነፍሰይ ንኣጸድ እግዚኣብሄር ትናፍቖን ሃረር ትብሎን ኣላ።”​—⁠መዝ. 84:​2

3 ኣብቲ ኣኼባታት እኹል–ተረፍ መንፈሳዊ መግቢ ይወሃብ እኳ እንተሎ: ገለ ተኣከብቲ ከቕልቡ ሽግር ኣለዎም። ንገዛእ ርእሶም ኣብ ናይ መዓልቲ ሕልሚ ብምእታው: ብዛዕባ ናይታ መዓልቲ ጭንቀት ይሓስቡ ወይ ድማ ትኽስ ይብሉ ኢዮም። ብዙሓት: ሓጸርቲ መዘኻኸሪታት ምውሳድ ንቑሓት ንኽኾኑን ናብቲ ዝብሃል ዘሎ ንኸተኵሩን ሓጋዚ ኮይኑ ረኺቦምዎ ኢዮም። ነጥብታት ምጽሓፍ እውን ነቲ ሓበሬታ ኣብ ኣእምሮኻ ይቐርጾ ኢዩ። ብተወሳኺ ድማ ኣቐዲምካ ምድላው ምሉእ ብምሉእ ክትጥቀም ሓጋዚ ኢዩ። ጽቡቕ ገይርና እንተድኣ ተዳሊና “ኣዚና ከነቕልብ” ክንክእል ኢና።​—⁠እብ. 2:​1

4 ቈልዑ ከምኡውን ዓበይቲ: ኣብቲ ኣኼባታት ዝወሃብ መምርሒ ክወስድዎ የድልዮም። ወለዲ ትሑዛትን ስቕ ክብሉን ኢሎም መጻወትን ናይ ሕብሪ መልከዪ መጽሓፍን ዝህብዎም እንተድኣ ኰይኖም: እቲ ቈልዑ ዝማሃርዎ ውሱን ኪኸውን ኢዩ። ቈልዑ ክጻወቱ: ክዛረቡ: ክበኽዩ ወይ ድማ ነቶም ኣብ ጥቓኦም ኮፍ ኢሎም ዘለዉ ዝርብሽ ካልእ ነገራት ክገብሩ ዝፍቀዶም እንተድኣ ኰይኑ: ጉድለት ናይ ግቡእ መቕጻዕቲ ኣሎ ማለት ኢዩ። እቲ ቈልዓ ናብ ሽንቲ ቤት ክኸይድ ከሎ ሓደ ካብቶም ወለዱ ኵሉ ግዜ ከሰንዮ ከም ዘለዎ እንተድኣ ፈሊጡ: መብዛሕትኡ ግዜ ተደጋጋምን ዘየድልን ምምልላስ ይንኪ ኢዩ።

5 ሰዓት ምኽባር ኣገዳሲ ኢዩ:- ሓድሓደ ግዜ ከተወግዶም ዘይትኽእል ኵነታት ናብ ኣኼባ ኣብ ግዜና ከይንበጽሕ ይኽልክሉና ኢዮም: ይኹን እምበር ብዘየድሊ ደንጒኻ ድሕርቲ ናይ መኽፈቲ መዝሙርን ጸሎትን ምምጻእ: ነቲ ቅዱስ ዕላማ ናይቲ ኣኼባታትን እቲ ንኻልኦት ከይንርብሽ ዘሎና ሓላፍነትን ሸለል ምባል ኢዩ ዘርኢ። ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ምስ ኣሕዋትና ምዝማርን ምጽላይን ክፍሊ ናይ ኣምልኾና ምዃኑ ዘክር። ዘየድሊ ምድንጓይ ውጽኢት ናይ ድኹም ምቅርራብን ጉድለት ናይ ኣቐዲምካ ምምዳብን ኢዩ። ሰዓት ምኽባርና: ንኣኼባታትና እነኽብርን ሞሳ እነርእን ምዃንና የርኢ።

6 እታ መዓልቲ ኣዝያ እናቐረበት ክትከይድ ከላ: ኣድላይነት ናይ ሓቢርካ ምእካብ እናዓበየ ጥራይ ኢዩ ዝኸይድ። (እብ. 10:​24, 25) ስርዓታዊ ኴንካ ብምእካብ: ኣቐዲምካ ብምድላው: ሰዓት ብምኽባር: ኣዕሚቍካ ብምቕላብን ብድሕሪኡ ድማ ነቲ እተማሃርናዮ ኣብ ግብሪ ብምውዓልን ሞሳና ነርኢ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ