ንኣምልኾ ዚኸውን ሓድሽ መዝሙር!
1 ኣብቲ ብ4 ጥቅምቲ 2014 እተኻየደ ዓመታዊ ኣኼባ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ፐንሲልቫንያ፡ ነዚ ሕጂ እንጥቀመሉ ዘሎና መጽሓፍ መዝሙር ንምምሕያሽ መደብ ከም ዝወጸ ምልክታ ተነግረ። እዚ ብሓቂ ኣዝዩ ዜሐጕስ ዜና እዩ ነይሩ! ኵሎም እቶም ተኣከብቲ፡ ብዛዕባ እቲ መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ኣምልኾና ኺህልዎ ዘለዎ ኣገዳሲ ግደ ተዘኻኺሮም እዮም።—መዝ. 96:2።
2 ‘መጽሓፍ መዝሙር ኪመሓየሽ ዘድለየ ስለምንታይ እዩ፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። እተፈላለየ ምኽንያታት ኣሎ። ቅድም ቀዳድም፡ ብዛዕባ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘሎና ምርዳእ በብግዜኡ እናነጸረ ስለ ዝመጸ፡ ግጥምታት መዝሙራትና በዚ ኺጽሎ ይኽእል እዩ። (ምሳ. 4:18) ምምሕያሽ ዜድለየሉ ኻልእ ምኽንያት ድማ፡ ኣብዚ ሕጂ እንጥቀመሉ ዘሎና መጽሓፍ መዝሙር ዘሎ መብዛሕትኡ መግለጺታትን ሓረጋትን ካብቲ ኣቐዲሙ ዝጸንሐ ሕታም ትርጕም ሓዳስ ዓለም ስለ እተወስደ እዩ። ስለዚ፡ እዚ ግጥምታት እዚ ምስቲ እተመሓየሸ ሕታም ትርጕም ሓዳስ ዓለም እተጠቕመሉ ቓላት ምእንቲ ኺሳነ፡ ኪተዓራረ ኣለዎ። ነዚ ግጥምታት እዚ ንምሕዳስ ጥራይ ሰፊሕ ዕዮ ስለ ዜድሊ፡ ናብታ ሓዳስ መጽሓፍ ሒደት ሓደስቲ መዝሙራት ንኺውሰኽ ተወሲኑ ኣሎ።
3 ግናኸ፡ እዛ ሓዳስ መጽሓፍ ክሳዕ እትሕተም፡ ነዚ ሓደስቲ መዝሙራት ከይዘመርናዮ ኽንጸንሕ ኢና ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን። ኣብዘን ዚስዕባ ኣዋርሕ፡ ገለ ኻብዘን ሓደስቲ መዝሙራት ኣብቲ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይትና ኺወጽእ ምዃኑ ኽንሕብረኩም ከለና ኣዝዩ እዩ ዜሐጕሰና። ሓድሽ መዝሙር ምስ ወጸ፡ ኣብ መወዳእታ መደብ ኣኼባ ኣገልግሎት “ሓድሽ መዝሙር” ብዚብል መሐበሪ ኺወጽእ እዩ።
4 ነዘን ሓደስቲ መዝሙራት ብኸመይ ከም እትመልከን፦ ሓድሽ መዝሙር ክትመልኽ በዳሂ እዩ። ይኹን እምበር፡ ልክዕ ኸምቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር ዝገበሮ፡ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ኽንዝምር ኢና እንደሊ ደኣ እምበር፡ ‘ስቕ ኣይንብልን ኢና።’ (መዝ. 30:12) ሓድሽ መዝሙር ምእንቲ ኽትመልኽ፡ ነዘን ቀጺለን ዘለዋ ቐለልቲ ነጥብታት ስዓብ።
• ነቲ ኣብ ወብ ሳይትና ዚወጽእ፡ ብፒያኖ እተዳለወ መዝሙር ደጋጊምካ ስምዓዮ። ነቲ ዜማ ብተደጋጋሚ ብዝሰማዕካዮ መጠን፡ ብቐሊሉ ንኽትዝክሮ ኺሕግዘካ እዩ።
• ነቲ ግጥሚ ኣጽንዓዮ፣ ክትሽምድዶ ኸኣ ፈትን።
• ነቲ ዜማ ምስቲ ግጥሚ ኣወሃሂድካ ዘምሮ። ነቲ መዝሙር ክሳዕ እትመልኮ ኸምኡ ግበር።
• ነዘን ሓደስቲ መዝሙራት፡ ኣባላት ስድራ ቤትካ ኽሳዕ ዚመልክወን ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤትኩም ደጋጊምኩም ተለማመዱለን።
5 ኣብ ዚመጽእ ኣዋርሕ ንመዕጸዊ ኣኼባ ኣገልግሎት ካብቲ ሓድሽ መዝሙር ምስ ዚምረጽ፡ ተኣከብቲ ነቲ ብፒያኖ ዝተዳለወ መዝሙር ሓንሳእ ኪሰምዕዎ እዮም። ድሕሪኡ፡ ተኣከብቲ ኸምቲ ልሙድ ነቲ መዝሙር ምስቲ ብፒያኖ እተዳለወ ሙዚቃ ኣሳንዮም ኪዝምርዎ እዮም።
6 ሕስብ እሞ ኣብሎ፡ እዚ ኣብ ኣኼባታት እንዝምሮ መዝሙራት፡ ነቲ ብሓባር ንየሆዋ ብምውዳስ እንረኽቦ ሓጐስ ኣበርክቶ ዚገብርዶ ኣይኰነን! ስለዚ፡ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ መዝሙር ኣብ ዚዝመረሉ ግዜ፡ ብዘየድሊ ምኽንያት ኮፍ መበሊና ሓዲግና ናይ ምውጻእ ልማድ ኪህልወና ኣይግባእን እዩ።
7 ነቲ ንየሆዋ ዚውድስ ሙዚቃና፡ ሞሳና ኸነንጸባርቐሉ እንኽእል ካልእ መዳይ እውን ኣሎ። ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት፡ ቀቅድሚ ነፍሲ ወከፍ ክፍለ ግዜ፡ ሙዚቃ ይስማዕ እዩ። ካብ ኣርባዕተ ዅርናዓት ዓለም እተኣኻኸቡ ውፉያት ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ኣብ ኣምልኾና እንጥቀመሉ ጥዑም ሙዚቃ ንምድላው፡ ብናይ ገዛእ ርእሶም ወጻኢታት ኣብ ዓመት ክልተ ሳዕ ናብ ፓተርሰን፡ ኒው ዮርክ ይኸዱ እዮም። ስለዚ እምበኣር፡ እቲ ኣቦ መንበር ኮፍ መበሊና ንኽንሕዝን ነቲ ብኦርኬስትራ እተዳለወ ሙዚቃ ንኽንሰምዕን ምስ ዚዕድመና፡ ከምኡ ኽንገብር ይግባእ። ከምዚ ምግባር፡ ነቲ ስዒቡ ዚቐርብ ሓበሬታ፡ ልብና ኸነዳሉ ይሕግዘና እዩ።—እዝ. 7:10።
8 ሓንቲ ኻብተን ኣብ ዓመታዊ ኣኼባ ዝወጻ ሓደስቲ መዝሙራት፡ “ዘ ኪንግዶም ኢዝ ኢን ፕሌስ—ለት ኢት ካም” ዚብል ኣርእስቲ ኣለዋ። እዛ መዝሙር እዚኣ፡ ንመበል 100 ዓመት ውልደት መንግስቲ ኣምላኽ ንምጕላሕ፡ ብፍሉይ እተቐናበረት እያ።
9 እዘን ሓደስቲ መዝሙራት ብርግጽ ካብ የሆዋ እተዋህባና “ጽቡቕ” ነገር እየን። (ማቴ. 12:35ሀ) ንገለ ኻብቲ እዘን መዝሙራት እተዳለዋሉ ቛንቋታት ትፈልጦ እንተ ዄንካ፡ ነዘን መዝሙራት እዚአን ክትመልከን ብምጽዓርን ካብ ልቢ ብምዝማርን ንየሆዋ ዚግብኦ ኽብርን ውዳሰን ክትህብ ቈራጽነት ግበር!—መዝ. 147:1።