መዘኻኸሪታት ኣኼባ ዞባ
ሰዓታት እቲ ኣኼባ፦ ማዕጾ ሰዓት 8:00 ቅ.ቀ. ኪኽፈት እዩ። ኣብ ሰለስቲኡ መዓልቲ፡ እቲ መእተዊ ሙዚቃ ሰዓት 9:20 ቅ.ቀ. ኺጅምር እዩ። ሽዑ፡ እቲ ኣኼባ ብምዕሩግ ኣገባብ ምእንቲ ኺጅመር፡ ኵላትና ኾፍ ክንብል ኣሎና። እቲ ኣኼባ ዓርብን ቀዳምን 5:00 ድ.ቀ. ኣቢሉ፡ ሰንበት ድማ 4:00 ድ.ቀ. ኣቢሉ ኺዛዘም እዩ።
‘ንየሆዋ ብመዝሙር ወድስዎ’፦ ጥንቲ ዝነበሩ ህዝቢ ኣምላኽ ንየሆዋ ብመዝሙር ይውድስዎ ነይሮም እዮም፣ ሎሚ እውን እንተዀነ መዝሙር ኣገዳሲ ኽፍሊ ናይ ሓቂ ኣምልኾ እዩ። (መዝ. 28:7) ነፍሲ ወከፍ ክፍለ ግዜ እቲ ኣኼባ ዞባ ብሙዚቃ እዩ ዚጅመር። እዚ ሙዚቃ እዚ ንመእተዊ እቲ መደብ ጥራይ ተባሂሉ ኣይተዳለወን፣ እኳ ደኣስ ብዛዕባ የሆዋ ንኽንምሃርን ንኸነምልኾን እዩ ተዳልዩ። ስለዚ፡ እቲ ኣቦ መንበር ሙዚቃ ኺጅምር ምዃኑ ዚሕብር ምልክታ ምስ ኣንበበ፡ ኣብ ክንዲ እነዕልል፡ ነቲ ሙዚቃ ብሞሳ ንኽንሰምዕ ኣብ በቦታና ኾፍ ክንብል ኣሎና። ከምኡ ምግባርና ንጻዕሪ ኣባላት ኦርኬስትራ ግምቢ ዘብዐኛ ኸም እነማስወሉ ዜርኢ እዩ። እዞም ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ንዓና ዜሐጕስ ጥዑም ሙዚቃ ንምድላው፡ ብናይ ገዛእ ርእሶም ወጻኢታት ኣብ ዓመት ክልተ ሳዕ ናብ ፓተርሰን፡ ኒው ዮርክ ይኸዱ እዮም። ነቲ ሙዚቃ ብኣቓልቦ ድሕሪ ምስማዕና፡ ኵላትና ሓቢርና መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽ ብምዝማር ንየሆዋ ኽንውድሶ ኣሎና።
መቘም ማካይን፦ ኣብ ኵሉ እቲ ማኪና ደው ከነብል እተፈቕደልና ቦታ እቲ ኣኼባ ዞባ ዚግበረሉ መኣከቢ፡ ከከም ኣመጻጽኣኡ ቐዲሙ ዝመጸ ብዘይ ክፍሊት ማኪና ደው ኬብል ይኽእል እዩ። መቘም ማካይን መብዛሕትኡ ግዜ ውሱን ብምዃኑ፡ ተኣከብቲ ኣብ ሓንቲ ማኪና፡ ሓደ ወይ ክልተ ሰብ ጥራይ ኣብ ክንዲ ዚመጹ ብጕጅለ ኺመጹ ይግባእ።
ኮፍ መበሊ ምሓዝ፦ ንግሆ ማዕጾ እቲ ኣኼባ ዞባ ዚግበረሉ መአከቢ ኪኽፈት ከሎ፡ በጃኻ ዝመረጽካዮ ቦታ ንምሓዝ ኢልካ ምስቶም ተኣከብቲ ኣይትቀዳደም። ንኻልኦት ሰባት ሕለየሎም። ምእንቲ ኣሕዋትና ኢልና ብፍታው ምርጫታትና ንሕደግ። እቲ ጥቕሚ ኻልኦት ንኸነቐድም ዚድርኸና ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከም ዝዀንና ዜፍልጠና እዩ፣ ንተዓዘብቲ ኸኣ ንኣምላኽ ንኺውድስዎ ይድርኾም እዩ። (ዮሃ. 13:34, 35፣ 1 ቈረ. 13:5፣ 1 ጴጥ. 2:12) ኮፍ መበሊ ነቶም ምሳኻ ብማኪና ዚመጹ ወይ ምሳኻ ኣብ ሓደ ቤት ዚነብሩ ወይ ከኣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትመርሓሎም ሰባት ጥራይ እዩ ኺተሓዝ ዘለዎ። በጃኻ፡ ኣብ ዘይሓዛእካዮ ኾፍ መበሊታት ኣቕሑ ኣይተቐምጥ። ኣብዚ መዳይ እዚ እትገብሮ ምትሕብባር፡ ንኻልኦት እቲ ኾፍ መበሊ ናጻ ምዃኑ ንኺፈልጡ ኺሕግዞም እዩ። ኣብ ገሊኡ ቦታታት፡ ንኣረጋውያንን ንድኹማትን ፍሉይ ቦታ ይሕዝኣሎም እዩ። እዚ ኾፍ መበሊ እዚ ውሱን ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ኣረጋዊ ወይ ነቲ ድኹም ዚሕግዞ ሓደ ወይ ክልተ ሰብ ጥራይ ምስኡ ኾፍ እንተ በሉ ዝሓሸ እዩ።
ትሕትና ዜርኢ ኣከዳድና፦ ኣብ እዋን ኣኼባ ዞባ እንኽደኖ ኽዳን ግቡእን ትሕትና ዜርእን ኪኸውን ኣለዎ እምበር፡ ነቲ ኣብ ዓለም ልሙድ ዝዀነ ጠገለ ዘይብሉ ቕድታት ዜንጸባርቕ ኪኸውን የብሉን። (1 ጢሞቴዎስ 2:9) ቅድሚ እቲ ኣኼባ ዀነ ብድሕሪ እቲ ኣኼባ ኣብ እነሕልፎ ግዜ፡ ጠገለ ዘይብሉ ወይ ወጀሃላይ ትርኢት ኪህልወና የብሉን። ከምዚ ዓይነት ጥንቃቐ እንተ ጌርና፡ ባጅ ኣኼባ ዞባና ኸይተሰከፍና ኽንገብሮ፡ ኣጋጣሚ ኽንረክብ ከለና ኸኣ ምስክርነት ንምሃብ ኣይክንሓፍርን ኢና። እቲ ኣብ ዚመጽእ ዘሎ ኣኼባ ዞባ ኽንእከብ ከለና ዚርአ ትርኢትናን ሰናይ ኣካይዳናን ንቕኑዓት ሰባት ነቲ ህይወት ዜድሕን መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺሰምዕዎ ይማርኾም፡ ንየሆዋ ኸኣ ክብሪ የምጽኣሉ።—ጸፎ. 3:17።
ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት ክትጥቀም ከለኻ ጽቡቕ ጠባይ ምርኣይ፦ ኣብቲ ኣኼባ ዝካየደሉ ግዜ፡ ሞባይል ተሌፎንና ይኹን ካልእ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታትና ንኻልኦት ከም ዘይርብሽ ብምግባር ጽቡቕ ጠባይ ከነርኢ ንኽእል ኢና። ካሜራ፡ ቪድዮ ካሜራ፡ ኤለክትሮኒካዊ ታብለት ወይ ካልእ መሳሪሒታት ንጥቀም እንተ ደኣ ዄንና፡ ንኻልኦት ብዘይ ምርባሽን ብዘይ ምኽልካልን ሓልዮት ከነርኢ ኣሎና። ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ኣኼባ ዚግበረሉ ግዜ፡ ብዘየድሊ ኤለክትሮኒካዊ መልእኽትታት ካብ ምልእኣኽ ብምቝጣብ፡ ጽቡቕ ጠባይ ከነርኢ ንኽእል ኢና።
ምሳሕ፦ ኣብ እዋን ምሳሕ ምግቢ ንምብላዕ ካብቲ ኣኼባ ዞባ ዚግበረሉ ቦታ ናብ ካልእ ኣብ ክንዲ እትኸይድ፡ በጃኻ ምሳሕካ ሒዝካ ምጻእ። ኣብ ትሕቲ ኾፍ መበሊኻ ኽትኣቱ እትኽእል ንእሽቶ መዝሓሊት ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ስድራ ቤታት ኣብ ምዝንጋዕ ዚወስዳኦ ዓብዪ መዝሓሊ ዀነ ጠራሙዝ ኣብቲ ኣኼባ ዞባ ኺኣቱ ኣይፍቀድን እዩ።
ወፈያታት፦ ኣብ ኣኼባ ዞባ፡ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ብፍታው ውጽኢት ገንዘብ ብምግባር ሞሳና ኽንገልጽ ንኽእል ኢና። ብቸክ ዚግበር ዝዀነ ይኹን ውጽኢት ኣብ ሃገርካ ናብ ዘሎ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዚኽፈል ምዃኑ ኺጥቀስ ኣለዎ።
መድሃኒት፦ ብሓኪም እተኣዘዘልካ መድሃኒት ክትወስድ ዜድልየካ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ኣብቲ ኣኼባ ዞባ ዚግበረሉ ቦታ ስለ ዘይቀርብ፡ ዝኣኽለካ ሒዝካ ምጻእ። ሕማም ሽኮር ዘለዎም ሰባት ዚውግእሉ ስሪንጋን መራፍእን ኣብቲ ኣኼባ ዚግበረሉ ወይ ኣብ ሆቴል ኣብ ዝዀነ ይኹን መደርበዪ ጐሓፍ ዘይኰነስ፡ ንሓደገኛ ነገራት ተባሂሉ ኣብ እተዳለወ መጕሓፊ ብጥንቃቐ ኺድርበ ኣለዎ።
ኣብ ሓደጋ ንኸይትወድቕ ምጥንቃቕ፦ ብፍላይ እቲ ዜንሻትትን ዚዓናቕፍን ነገራት፡ ሓደጋ ኼስዕብ ስለ ዚኽእል ኣቕልበሉ። ኣብ ዓዓመት ብፍላይ ነዊሕ ታኮ ምስ ዘለዎ ጫማ እተተሓሓዘ ጕድኣት የጋጥም እዩ። ኣብ መደያይቦታትን መሰጋገሪታትን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራትን ከይተሸገርና ንኽንረግጽ ዜኽእለና ትሕትና ዜንጸባርቕ ምሹእ ጫማ ምውዳይ ዝሓሸ እዩ።
ናይ ምስማዕ ጸገም ዘለዎም፦ ኣብ ገሊኡ ቦታታት እቲ ኣኼባ ብኤፍ.ኤም. ናይ ረድዮ ማዕበል ኪፍኖ እዩ። ነዚ መሰናድዎ እዚ ምእንቲ ኽትጥቀመሉ ሓንቲ ንእሽቶ ኤፍ.ኤም. እትቕበል መሳርሒትን መስምዕን ክትማላእ ኬድልየካ እዩ።
ዓረብያ ሕጻናትን ናይ መናፈሻ መናብርን፦ ዓረብያ ሕጻናትን ናይ መናፈሻ መናብርን ኣብቲ ኣኼባ ዞባ ዚግበረሉ ቦታ ሒዝካ ኣይትምጻእ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ጥቓ እቶም ወለዲ ኪቕመጥ ዚኽእል ንድሕንነት ሕጻናት እተዳለወ ፍሉይ መናብር ይፍቀድ እዩ።
ኣታኽልቲ፦ ኣታኽልቲ ኽትተክልን ከተዕብን ጻዕርን ግዜን ስለ ዚሓትት፡ በጃኻ ንደቅኻ፡ ኣብቲ መአከቢ እቲ ኣኼባ ዞባ ንዘሎ ዕምባባታትን ኣታኽልትን ከይቅንጥቡ ወይ ከይምሕዉ ኣጠንቅቆም።
በጃኻ ተኸታተሎ (S-43) እትብሃል ፎርም፦ ነታ በጃኻ ተኸታተሎ እትብሃል ፎርም፡ ኣብ እዋን እቲ ኣኼባ ብዝገበርናዮ ዘይወግዓዊ ምስክርነት ተገዳስነት ናይ ዘርኣየ ዝዀነ ሰብ ሓበሬታ ንምጽሓፍ ክንጥቀመላ ይግባእ። ነዛ ፎርም እዚኣ ብግቡእ ምስ መላእካያ፡ ምእንቲ ኺከታተልዎ ንኽፍሊ መጻሕፍቲ፡ ወይ ናብ ጉባኤኻ ምስ ተመለስካ፡ ንጸሓፊ ጉባኤኻ ኽትህቦ ትኽእል ኢኻ።
ኣብያተ ምግቢ፦ ኣብ ኣብያተ ምግቢ ብጽቡቕ ጠባይካ ንስም የሆዋ ኣኽብሮ። ንክርስትያናት ኣገልገልቲ ኸም ዚግባእ ተኸደን። ኣብቲ ኸባቢ ልሙድ እንተ ዀይኑ፡ መቝሽሽ ሃብ።
ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ፦ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ከም መደቀሲ ዀይኑ ኼገልግል ኣይንመርጽን ኢና። ዜገድድ ኵነታት እንተ ተፈጢሩ ግና፡ ኵሎም እቶም ኣብኡ ዚሓድሩ፡ ብጽሬትን ብጽፈትን ንኺሕዝዎ ሓላፍነት ኪስምዖም ይግባእ። እቲ መደቀሲ ብግቡእ ኪዕጸፍ፡ ዝፈሰሰ ነገራት ብኡብኡ ኺውልወል፡ ወረቓቕትን ካልእ ጐሓፍን ከኣ ኣብቲ ንዕኡ እተዳለወ ኣቕሓ ኪቕመጥ ኣለዎ።
ሆቴላት፦
( ካብቲ ብሓቂ ዜድሊ ንላዕሊ ኽፍልታት ኣይትሕዛእ፡ ካብቲ እተፈቕደ ንላዕሊ ድማ ኣብ ሓደ ኽፍሊ ኣይተሕድሩ።
ኣዝዩ ህጹጽ ኵነታት ኬጋጥመካ ኸሎ እንተ ዘይኰይኑ፡ ነቲ እተሓዝኣልካ ቦታ ኣይትሰርዞ። ክትስርዞ ምስ ዜድልየካ ግና፡ ነቲ ሆቴል ብኡብኡ ኣፍልጦ። ከመይሲ፡ ካልኦት መዕረፊ ዜድልዮም ኪጥቀምሉ ይኽእሉ እዮም። (ማቴ. 5:37)
ሰራሕተኛታት እቲ ሆቴል ባልጃኻ ምስ ዚስከሙልካ፡ ኣብ ከባቢኻ ልሙድ እንተ ደኣ ዀይኑ መቝሽሽ ሃቦም። ነታ ኽፍልኻ እተጽርየልካ እውን መቝሽሽ ግደፈላ።
ኣብቲ ምግቢ ምኽሻን ዘይፍቀደሉ ኽፍልታት ኣይትኸሽን።
ምስ ሰራሕተኛታት ሆቴል ኣብ ዘሎካ ርክብ፡ ኵሉ ሳዕ ፍረ መንፈስ ኣርኢ። ንሳቶም ንብዙሓት ኣጋይሽ እዮም ዚኣልዩ፣ ንለውሃትናን ንትዕግስትናን ንልእመትናን ከኣ የማስዉሉ እዮም።
ወለዲ ንደቆም ኣብ ከባቢ እቲ ሆቴል፡ ማለት ኣብ መሓምበሲ ጋብላ፡ ኣብ መዛነዪ ቦታታት ኰነ ኣብ ክፍሊ ምውስዋስ ኣካላት ኵሉ ሳዕ ኪቈጻጸርዎም ኣለዎም።
ጽሬት፦ ክፍሊ ጽሬት በብእዋኑ ጽሬት ኪግበር ዚውድብ እኳ እንተ ዀነ፡ ኵላትና እቲ የሆዋ ኻብ ህዝቡ ዚጽበዮ ዝለዓለ ደረጃ ጽሬት ምእንቲ ኺዕቀብ ኣበርክቶ ኽንገብር ንኽእል ኢና። ስለዚ፡ እቲ ኣኼባ ዞባ ዚግበረሉ ቦታ፡ ኣኼባ እናተኻየደ ኸሎ ይኹን ኣብ እዋን ዕረፍቲ ሕማቕ ትርኢት ምእንቲ ኸይህልዎ፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ዝወደቐ ወረቓቕቲ ወይ ካልእ ጐሓፍ፡ ኣብ ባይታ እቲ ኣዳራሽ ወይ ኣብ ባይታ እቲ ኣኼባ ዞባ ዚግበረሉ ቦታ ኺግደፍ የብሉን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብኡብኡ ኣብቲ ንጐሓፍ እተዳለወ ኣቕሓ ኪቕመጥ ኣለዎ፣ ከምኡ ምስ እንገብር፡ ትርኢት እቲ ኣኼባ ዚግበረሉ ቦታ ኣብ ግዜ ኣኼባ ይኹን ኣብ ግዜ ዕረፍቲ ኣይበላሾን። ብተወሳኺ፡ ካብ ኮፍ መበሊና ተንሲእና ኽንከይድ ከለና፡ ኣብ ከባቢና ዝወደቐ ነገራት እንተ ኣልዩ ብምርኣይ፡ እናኣልዓልና እንተ ኸድና ዚነኣድ እዩ።
ኣገልግሎት ወለንተኛ፦ ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ዚካየድ ዕዮ ብወለንታ ኼገልግል ዚደሊ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ናብቲ ኣብ ኣኼባ ዞባ ዚርከብ ክፍሊ ኣገልግሎት ወለንተኛ ኼመልክት ኣለዎ። ዕድሚኦም ትሕቲ 16 ዝዀነ ቘልዑ እውን፡ ምስ ወለዶም ወይ ምስ መጕዚቶም ወይ ከኣ ምስ ካልእ ብወለዶም ወይ ብመጕዚቶም ሓላፍነት እተዋህቦ ሰብ ኰይኖም ኪሰርሑ ይኽእሉ እዮም።