ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 7/15 ገጽ 3
  • ንመምሃሪ እንጥቀመሉ ናውቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንመምሃሪ እንጥቀመሉ ናውቲ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2015
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሓቂ ምሃር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • ነቲ ንመምሃሪ ዚኸውን ቀንዲ ናውቲ ጽቡቕ ጌርካ ተጠቐመሉ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
  • “ንዅሉ ሰብ” ስበኸሉ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
  • ናውቲ ምርምር ብምጥቃም
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2015
km 7/15 ገጽ 3

ንመምሃሪ እንጥቀመሉ ናውቲ

1. ወንጌላውያን ክርስትያናት ከም ኢደ ጥበበኛታት ዝዀኑ ብኸመይ እዮም፧

1 ኢደ ጥበበኛታት፡ እተፈላለየ ናውቲ ይጥቀሙ እዮም። ገሊኡ ናውቲ ንፍሉይ ዕዮ ጥራይ ሳሕቲ ኺጥቀሙሉ ኸለዉ፡ ንገሊኡ ናውቲ ግና ብተደጋጋሚ እዮም ዚጥቀሙሉ። ምኩራት ኢደ ጥበበኛታት፡ ነቲ ዜድልዮም ቀንዲ ናውቲ ኻብ ኢዶም ኣይፈልይዎን እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ንነፍሲ ወከፍ ክርስትያን፡ ንኣገልግሎት ኪዕጠቕን “ዜሕፍር ዘይብሉ ብቕዓቱ ዘመስከረ ዓያዪ” ኪኸውንን እዩ ዜተባብዖ። (2 ጢሞ. 2:15) እቲ ቐንዲ እንጥቀመሉ ንዋት እንታይ እዩ፧ እቲ “ደቀ መዛሙርቲ” ንምግባር እንጥቀመሉ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። (ማቴ. 28:19, 20) ስለዚ፡ ክኢላታት ብምዃን ‘ንቓል ሓቂ ብቕኑዕ ንኽንጥቀም’ ክንጽዕር ኣሎና። ይኹን እምበር፡ ብተደጋጋሚ እንጥቀመሉ ኻልእ ናውቲ እውን ኣሎና፣ ኵሎም ክርስትያናት ድማ ነዚ ናውቲ እዚ ንሰባት ሓቂ ንምስትምሃር ብኸመይ ብኽእለት ኪጥቀሙሉ ኸም ዘለዎም ኪፈልጡ ኣለዎም።—ምሳ. 22:29።

2. ንመምሃሪ እንጥቀመሉ ቐንዲ ናውትና እንታይ እዩ፧

2 ንመምሃሪ እንጥቀመሉ ቐንዲ ናውቲ፦ ኣብ ርእሲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እንታይ ካልእ ናውቲ ኢና ኽንጥቀም ዘሎና፧ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምምሃር እንጥቀመሉ ቐንዲ ንዋትና እታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ እያ። ንሓደ ተምሃራይ ነዛ መጽሓፍ እዚኣ መሪሕናሉ ምስ ወዳእና፡ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መዓልታዊ ህይወቱ ምእንቲ ኽትግብሮ፡ ነታ “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ” ዘርእስታ መጽሓፍ ክንጥቀመላ ንኽእል ኢና። ስለዚ፡ ነዘን ክልተ መጻሕፍቲ ብኽእለት ክንጥቀመለን ይግባእ። ንምምሃር እንጥቀመሉ ኻልእ ናውቲ ኸኣ ብሮሹራት እዩ። እታ ብስራት ኣምላኽ ዘርእስታ ብሮሹር፡ ሓንቲ ኻብቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸነጀምር ዚሕግዘና ናውቲ እያ። ገሊኦም ኣብ ክልና ዘለዉ ሰባት ናይ ምንባብ ክእለቶም ውሱን እንተ ዀይኑ፡ ወይ ከኣ ብቛንቋኦም እተዳለወ ጽሑፋት እንተ ዘየልዩ፡ ንኣምላኽ ስምዓዮ ወይ ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ ዘርእስተን ብሮሹራት ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ንተመሃሮ ናብ ውድብ የሆዋ ንኽንመርሖም እንጥቀመላ ቐንዲ ንዋት ከኣ እታ ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧ ዘርእስታ ብሮሹር እያ። መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧፡ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እዩ ዚግበር፧፡ ከምኡ እውን “ዳዝ ጎድ ሃስ ኤ ኔም” (ኣምላኽ ስም ኣለዎ ድዩ፧) ዘርእስተን ቪድዮታት ደቀ መዛሙርቲ ንኽንገብር ይሕግዛና እየን። ነዘን ቪድዮታት እዚአን ብኸመይ ብግቡእ ከም እንጥቀመለን ክንፈልጥ ኣሎና።

3. ኣብ ዚመጽእ ዚወጽእ ሕታማት ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና፡ እንታይ ንኽንገብር እዩ ዚሕግዘና፧

3 ኣብ ዚመጽእ ሕታማት ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና፡ ነቲ ንመምሃሪ እንጥቀመሉ ቐንዲ ናውትና ዝዀነ ገሊኡ ሕታማትና ብኸመይ ብኽእለት ከም እንጥቀመሉ ዚሕግዝ ሓሳባት ሒዙ ኺወጽእ እዩ። ነዚ ናውቲ እዚ ብኽእለት ክንጥቀመሉ ምስ እንጽዕር፡ ነቲ፡ “ኣብ ርእስኻን ኣብቲ እትምህሮ ትምህርትን ኣተኵር። ኣብዚ ነገር እዚ ጽናዕ፣ እዚ እንተ ጌርካስ፡ ንርእስኻን ነቶም ዚሰምዑኻን ከተድሕን ኢኻ” ዚብል ብመሪሕነት መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ነውዕሎ ኣሎና ማለት እዩ።—1 ጢሞ. 4:16።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ