ንመዋቕር እታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ ብውጽኢታዊ መገዲ ተጠቐመሉ
ሓደ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚምህር ምስ ተማህረን ነቲ እተማህሮ ኣብ ግብሪ ምስ ኣውዓሎን፡ ይዓብን መንፈሳዊ ፍረ ይፈርን እዩ። (መዝ. 1:1-3) ንእተወሰነ መዋቕር እታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ ጽቡቕ ጌርና ብምጥቃም፡ ንተምሃራይና ዕቤት ንኺገብር ክንሕግዞ ንኽእል ኢና።
መእተዊ ሕቶታት፦ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ኣብቲ ትምህርቲ ብዚምለስ ሕቶታት ይጅምር። ነቲ ተምሃራይ ነቲ ዚቕጽል ምይይጥ ሸውሃቱ ንምኽፋት ነቲ ሕቶታት ክትሓትቶ ትኽእል ኢኻ። ወይ ድማ ንነፍሲ ወከፍ ሕቶ ኣሕጽር ኣቢሉ ሓሳብ ኪህበሉ ኽትሓትቶ ትኽእል ኢኻ። ጌጋ ርእይቶ እንተ ሂቡ፡ ሽዑሽዑ ኽትእርሞ ኣየድልን እዩ። እቲ ዚህቦ ሓሳባት፡ ነየናይ ነጥብታት ከተቕልበሉን ከተጕልሖን ከም ዜድልየካ ንኽትፈልጥ ኪሕግዘካ እዩ።—ምሳ. 16:23፣ 18:13።
መመላእታ ጽሑፍ፦ እቲ ተምሃራይ ነቲ ኣብቲ ቐንዲ ጽሑፍ ዘሎ ሓሳባት እንተ ተረዲእዎን እንተ ተቐቢልዎን፡ ነቲ ኣብ መመላእታ ጽሑፍ ዚርከብ ገሊኡ ኣርእስትታት ኣንቢብዎ ኺመጽእ ከተተባብዖ ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ ዚቕጽል መጽናዕቲ፡ ነቲ መመላእታ ጽሑፍ ከም እተረድኦ ንምርግጋጽ ሒደት ደቓይቕ ብምውሳድ ኽትመያየጠሉ ትኽእል ኢኻ። ይኹን እምበር፡ ዚጠቕሞ እንተ ዀይኑ፡ ኣብ እዋን መጽናዕቲ ሒደት ደቓይቕ ብምውሳድ፡ ነቲ መመላእታ ጽሑፍ ወይ ንእተወሰነ ኽፋሉ፡ ሕጡብ ጽሑፋት ብምንባብን ኣቐዲምካ እተዳለኻሉ ሕቶታት ብምሕታትን ክትመያየጠሉ ትኽእል ኢኻ።
ሳጹን ክለሳ፦ ኣብ መወዳእታ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ዘሎ ሳጹን ክለሳ ነቲ ኣብ መእተዊ ዘሎ ሕቶታት ዚኸውን መልሲ ዝሓዘ እዩ። ተምሃራይካ ተረዲእዎን ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ኪገልጾ ዚኽእልን እንተ ዀይኑን ንምርግጋጽ፡ ነዚ መዋቕር እዚ ኽትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ንነፍሲ ወከፍ ሓሳብን ጥቕስታትን ምስቲ ተምሃራይ ኴንካ ዓው ኢልካ ኣንብቦ። ድሕሪኡ፡ ንተምሃራይካ እቲ ምሉእ ሓሳብ ስለምንታይ ሓቂ ኸም ዝዀነ ንምግላጽ ጥቕሲ(ታት) ኪጥቀም ሕተቶ።—ግብ. 17:2, 3።