ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ክትጥቀመላ ኸለኻ ነቲ ዓብዪ መምህር ምሰሎ
1. የሱስ ብኸመይ ይምህር ነበረ፧
1 የሱስ እቲ ዓብዪ መምህር: ንነገራት ወትሩ ብቐሊልን ንጹርን መገዲ እዩ ዚገልጾ ነይሩ። ሓድሓደ ግዜ ንሰማዕቱ ኸም ዚሓስቡ ምእንቲ ኺገብሮም ኢሉ: ቅድም ኣረኣእያኦም ኪገልጹ ይሓቶም ነበረ። (ማቴ. 17:24-27) ናብ ቃል ኣምላኽ ከም ዜቕልቡ ይገብር ነበረ። (ማቴ. 26:31፣ ማር. 7:6) ደቀ-መዛሙርቱ ዝያዳ እናተማህሩ ኸም ዚኸዱ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ: ብዙሕ ትምህርትታት ብሓንሳእ ብምምሃር ዓቕሎም ከየጽብበሎም ይጥንቀቕ ነበረ። (ዮሃ. 16:12) ነቲ ዝመሃሮም ከም ዝኣመንዎን ከም እተረድእዎን ኪፈልጥ እውን ይደሊ ነበረ። (ማቴ. 13:51) እታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ብኸምዚ ኣገባብ ንኽንምህር ክትሕግዘና ተባሂላ እያ ተዳልያ።
2. ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ዘሎ መእተዊ ሕቶታት ብኸመይ ክንጥቀመሉ ንኽእል፧
2 መእተዊ ሕቶታት:- ሓንቲ ምዕራፍ ከተጽንዑ ኽትጅምሩ ኸለኹም: እቲ ተመሃራይ ነቲ ትሕቲ እቲ ኣርእስቲ ዚርከብ መእተዊ ሕቶታት ከም ዜተኵረሉ ምግባር ጽቡቕ እዩ። ሸውሃቱ ንምኽፋት ነቲ ሕቶታት ሕተቶ። ወይ ነቲ ሕቶታት ኣሕጽር ኣቢሉ ሓሳብ ኪህበሉ ኽትዕድሞ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ዝሃቦ መልሲ ኣስፊሕካ ኽትመያየጠሉ ወይ ንነፍሲ ወከፍ ዝሃቦ ጌጋ ሓሳባት ክትእርሞ ኣየድልን እዩ። ሓሳባቱ ብምግላጹ ኣመስጊንካ ትኽ ኢልካ ናብቲ መጽናዕቲ ኽትኣቱ ትኽእል ኢኻ። እቲ ኣብ መእተዊ ዝሃቦ መልስታት: ነየናይ ክፋል እቲ ትምህርቲ ብዝያዳ ኸተጕልሖ ኸም ዜድልየካ ንኽትፈልጥ ኪሕግዘካ እዩ።
3. ነቲ መጽናዕቲ ቐሊል ክንገብሮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
3 ጥቕስታት:- እቲ መጽናዕቲ ኣብ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘተኰረ ኪኸውን ኣለዎ። (እብ. 4:12) ይኹን እምበር: ንነፍሲ ወከፍ ትሕዝቶኡ ዘይተገልጸ ጥቕሲ ምንባብ ኣድላዪ ኣይኰነን። ነቲ መሰረት እምነትና ዝዀነ ጥቕስታት ኣጕልሕ። ነቲ ሓሳብ ንምርጓድ ተባሂሉ ዚኣቱ ጥቕስታት ምንባብ ኣየድልን ይኸውን። እታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ንሓቂ ብቕልል ዝበለ መገዲ ገይራ እያ እተቕርባ። ነቲ መጽናዕቲ ቐሊል ግበሮ። ኣብቲ ቐንዲ ነጥብታት ኣተኵር: ብዛዕባ ዝርዝር ነገራት ብዙሕ ምዝራብ ወይ ኣብቲ መጽናዕቲ ኻልእ ጽሑፋት ብዘየድሊ ምጥቃስ ኣወግድ።
4. ኣብ እዋን መጽናዕቲ ነቲ መመላእታ ጽሑፍ ግዜ ወሲድና ኽንመያየጠሉ ወይ ክንሓድጎ ዚውስኖ እንታይ እዩ፧
4 መመላእታ ጽሑፍ:- እዚ ጽሑፍ እዚ: መመላእታ እቲ ቐንዲ ጽሑፍ ዝዀነ 14 ኣርእስትታት ዝሓዘ እዩ። ነዚ ኣርእስትታት እዚ ኣብ እዋን መጽናዕቲ ኽትመያየጠሉ ወይ ክትገድፎ ኣብ ምርጫኻ ዚምርኰስ እዩ። እቲ ተመሃራይ ብፍላይ ነቲ ኣብቲ ቐንዲ ጽሑፍ ዘሎ ሓሳባት እንተ ደኣ ተረዲእዎን ተቐቢልዎን: ነቲ ኣብ መመላእታ ጽሑፍ ዚርከብ ገሊኡ ኣርእስትታት ኣንቢብዎ ኺመጽእ ከተተባብዖ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት: እቲ ተመሃራይ: የሱስ መሲሕ ምዃኑ ድሮ ዚኣምን እንተ ደኣ ዀይኑ: ነታ “የሱስ ክርስቶስ መን እዩ፧” ዘርእስታ ምዕራፍ 4 ኸተጽንዕዋ ኸለኹም ነቲ “የሱስ ክርስቶስ—እቲ መብጽዓ እተገብረሉ መሲህ” ዚብል ኣርእስቲ ኽትመያየጡሉ ኣየድልን ይኸውን። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት ድማ: ኣብ እዋን መጽናዕቲ ነቲ መመላእታ ጽሑፍ ወይ ገለ ኽፋሉ ግዜ ወሲድካ ኽትመያየጠሉ ጠቓሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
5. ነቲ መመላእታ ጽሑፍ ክንመያየጠሉ እንተ ደኣ መሪጽና: ብኸመይ ክንመያየጠሉ ንኽእል፧
5 ነቲ መመላእታ ጽሑፍ ክትመያየጠሉ እንተ ደኣ መሪጽካ: ልክዕ ከምቲ ነቲ ቐንዲ ጽሑፍ ክትመያየጠሉ ኸለኻ እትገብሮ: ነቲ ኣብ መመላእታ ጽሑፍ ዘሎ ሕጡብ ጽሑፋት እውን ምስቲ ተመሃራይ ንኽትመያየጠሉ ዚሕግዝ ሕቶታት ኣቐዲምካ ኸተዳሉ ትኽእል ኢኻ። ወይ ኣብ ድሌት እቲ ተመሃራይ ተመርኲስካ: ኣብ እዋን እቲ መጽናዕቲ ሒደት ደቓይቕ ብምውሳድ ነቲ ሓሳባት ምስኡ ዄንካ ኸተንብቦ ትመርጽ ትኸውን። ከምዚ ምግባር: እቲ ተመሃራይ ነቲ በይኑ ዘንበቦ ኸም እተረድኦ ንኸተረጋግጽ ኪሕግዘካ እዩ።
6. ነቲ ኣብ መዛዘሚ ነፍሲ ወከፍ መጽናዕቲ ዘሎ ናይ ድግማ ሳጹን ብኸመይ ክንጥቀመሉ ንኽእል፧
6 ናይ ድግማ ሳጹን:- ኣብ መወዳእታ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ዘሎ ሳጹን መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ መእተዊ ሕቶታት ዚኸውን መልሲ ዝሓዘ እዩ። ነቲ ኣብኡ ዚርከብ ሓሳባት: ቀንዲ ነጥብታት እታ ምዕራፍ ንምድጋም ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ገሊኦም ኣስፋሕቲ ንነፍሲ ወከፍ ሓሳብን ጥቕስታትን ምስቲ ተመሃራይ ኴንካ ምንባብ ሓጋዚ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም። ብድሕሪኡ: እቲ ጥቕስታት ነቲ ሓሳብ ብኸመይ ከም ዚድግፎ ኣሕጽር ኣቢሉ ኺገልጽ ነቲ ተመሃራይ ይሓትዎ። ከምዚ ምግባር: እቲ ተመሃራይ ንቐንዲ ነጥብታት እቲ ትምህርትን ብኸመይ ብመጽሓፍ ቅዱስ ተደጊፉ ኸም ዘሎን ብንጹር ተረዲእዎን ተሰማሚዑሉን እንተ ዀይኑ እቲ መምህር ንኺፈልጥ ይሕግዞ። ነቲ ተመሃራይ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሙ ሓቂ ንኻልኦት ንኺገልጸሎም የለማምዶ።
7. ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ መዝነትና ኣብ ምፍጻም ብኸመይ ክንጥቀመላ ንኽእል፧
7 ኣገባብ ኣመሃህራ የሱስ ምስዓብ ንሰባት ናይ ምምሃርን ደቀ-መዛሙርቲ ናይ ምግባርን መዝነትና ኽንፍጽመሉ እንኽእል ኣዝዩ ኣስላጢ መገዲ እዩ። (ማቴ. 28:19, 20) እታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ከምዚ ንምግባር ክትሕግዘና ትኽእል እያ። ንኻልኦት ብንጹርን ብቐሊልን ብሰሓብን መገዲ ጌርካ ሓቂ ንኽትምህሮም ብጽቡቕ ተጠቐመላ።