ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | እዮብ 16-20 ሕያውነት ብዝመልኦ ቓላት ኣተባብዕን ኣበራትዕን ቃላት ሓደ መኻሪ ንኻልኦት ዜበራትዕ ኪኸውን ኣለዎ 16:4, 5 እዮብ ተጨኒቑን ጕህዩን ስለ ዝነበረ፡ ካብ ካልኦት ደገፍን ምትብባዕን የድልዮ ነይሩ እዩ እቶም ሰለስተ ብጾት እዮብ ዜጸናንዕ ቃላት ኣየውስኡን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ከሲሶምዎን ኣብ ርእሲ ጭንቀቱ ጭንቀት ወሲኾምሉን እዮም ሕያውነት ዝጐደሎ ቓላት ቢልዳድ ንእዮብ ኣበሳጨዎ 19:2, 25 እዮብ ንኣምላኽ፡ እፎይታ ኺረክብ፡ ዋላ እውን ኪመውት ለመኖ እዮብ ኣብ ተስፋ ትንሳኤ ብምትኳር ብተኣማንነት ተጻወረ