ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb16 ሚያዝያ ገጽ 3
  • ሕያውነት ብዝመልኦ ቓላት ኣተባብዕን ኣበራትዕን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕያውነት ብዝመልኦ ቓላት ኣተባብዕን ኣበራትዕን
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እዮብ ተጸሚሙ—ንሕናውን ንኽእል ኢና!
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • “ንጽህናይ ኣይሓድግን እየ!”
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
  • ፍቓድ የሆዋ ገይሮም እዮብ ንጽህንኡ ብምሕላዉ ዓስቢ ረኸበ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • የሆዋ ኻብ ስቓዩ ኣሕወዮ
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
mwb16 ሚያዝያ ገጽ 3

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | እዮብ 16-20

ሕያውነት ብዝመልኦ ቓላት ኣተባብዕን ኣበራትዕን

ቃላት ሓደ መኻሪ ንኻልኦት ዜበራትዕ ኪኸውን ኣለዎ

16:4, 5

  • እዮብ ተጨኒቑን ጕህዩን ስለ ዝነበረ፡ ካብ ካልኦት ደገፍን ምትብባዕን የድልዮ ነይሩ እዩ

  • እቶም ሰለስተ ብጾት እዮብ ዜጸናንዕ ቃላት ኣየውስኡን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ከሲሶምዎን ኣብ ርእሲ ጭንቀቱ ጭንቀት ወሲኾምሉን እዮም

ሕያውነት ዝጐደሎ ቓላት ቢልዳድ ንእዮብ ኣበሳጨዎ

19:2, 25

  • እዮብ ንኣምላኽ፡ እፎይታ ኺረክብ፡ ዋላ እውን ኪመውት ለመኖ

  • እዮብ ኣብ ተስፋ ትንሳኤ ብምትኳር ብተኣማንነት ተጻወረ

ኤሊፋዝ ንእዮብ እናተዛረቦ ቢልዳድን ሶፋርን ይጥምትዎም

ከሰስቲ እዮብ

ኤሊፋዝ

ኤሊፋዝ፦

  • ኣብ ቴማን ናይ ምድሪ ኤዶም ይነብር ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ኤርምያስ 49:7 ቴማን ማእከል ጥበብ ኤዶማውያን ከም ዝነበረት ተገሊጹ ይርከብ

  • እቲ ፈለማ እተዛረበ ኤሊፋዝ፡ ካብቶም መጸናናዕቲ ዚብሃሉ ብዕድመ ዚዓብን ዝያዳ ዅሎም ጽልዋ ዝነበሮን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሰለስተ ግዜ እዩ ተዛሪቡ፣ ካብቶም ክልተ ዝነውሐ ሓሳብ ከኣ እዩ ሂቡ

ናይ ሓሶት ክስታት፦

  • ንንጽህና እዮብ ኣባጨወሉ፣ ኣምላኽ ንኣገልገልቱ ኸም ዘይኣምኖም ድማ ተዛረበ (እዮብ 4፣ 5)

  • እዮብ ዕቡይን እኩይን ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሉን ከም ዝዀነ ተዛረበ (እዮብ 15)

  • ንእዮብ ስሱዕን ዘይፍትሓውን ከም ዝዀነ ገይሩ ኸሰሶ፣ ሰብ ንኣምላኽ ኪጠቕሞ ኸም ዘይክእል ድማ ተዛረበ (እዮብ 22)

ቢልዳድ

ቢልዳድ፦

  • ካብ ዘርኢ ሹኣሕ እዩ፣ ኣብ ከባቢ ርባ ኤፍራጥስ ይነብር ነይሩ ኪኸውን ይኽእል

  • ካልኣይ እተዛረበ እዩ። እተን ሰለስተ ግዜ እተዛረበን ካብ ናይ ኤሊፋዝ ዝሓጸራን ዝያዳ ጐዳእትን እየን ነይረን

ናይ ሓሶት ክስታት፦

  • ደቂ እዮብ ሓጢኣት ከም ዝፈጸሙን እቲ ዝወረዶም መዓት ከም ዚግብኦምን ኣመተ፣ እዮብ ፍርሃት ኣምላኽ ከም ዘይብሉ እውን ተዛረበ (እዮብ 8)

  • እዮብ ገባር ክፉእ ምዃኑ ኣመተ (እዮብ 18)

  • ደቂ ሰብ ንጽህናኦም ምሕላዎም ከንቱ ኸም ዝዀነ ተዛረበ (እዮብ 25)

ሶፋር

ሶፋር፦

  • ናዓማዊ እዩ፣ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ዓረብ ይነብር ነይሩ ኪኸውን ይኽእል

  • ሳልሳይን መሪርን ዘረባ እተዛረበ እዩ። ክልተ ግዜ ጥራይ እዩ ተዛሪቡ

ናይ ሓሶት ክስታት፦

  • ንእዮብ ባዶ ዘረባ ኸም እተዛረበ ገይሩ ኸሰሶ፣ ነቲ እኩይ ተግባራቱ ኼወግዶ ድማ ነገሮ (እዮብ 11)

  • እዮብ እኩይ ከም ዝዀነን ብሓጢኣት ባህ ከም ዚብሎን ኣመተ (እዮብ 20)

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ