ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb16 ነሓሰ ገጽ 8
  • ሓቂ ምሃር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓቂ ምሃር
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርባት
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
  • ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣቀራርባ መጽሔት ኣዳሉ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2017
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
mwb16 ነሓሰ ገጽ 8

ክርስትያናዊ ህይወት

ሓቂ ምሃር

ካብ መስከረም ጀሚሩ፡ ኣብ ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን “ሓቂ ምሃር” ዘርእስቱ ሓድሽ ዓይነት ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባ ኺውሰኽ እዩ። ዕላማና ብሕቶን ጥቕስን ጌርና መሰረታዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንምጕላሕ እዩ።

ሓደ ሰብ ተገዳስነት ከም ዘለዎ እንተ ደኣ ኣስተውዒልና፡ ንዚቕጽል ምብጻሕና ብሃንቀውታ ኸም ዚጽበዮ ንምግባር፡ ጽሑፍ ክንገድፈሉ፡ ወይ ድማ ካብ jw.org ቪድዮ ኸነርእዮ ንኽእል ኢና። ኣብ ዝሓለፈ ንዝገበርናዮ ምይይጥ ምእንቲ ኽንቅጽሎ ድማ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልትታት ክንምለስ ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና። እቲ ሓድሽ ኣቀራርባታትን ክፍልታት ተምሃሮን ኣብታ ዋት ካን ዘ ባይብል ቲች ኣስ (መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧) ዘርእስታ መጽሓፍ ዘሎ መጠቓለሊ ምዕራፍ እተመስረተ እዩ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ካብታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ ብቕልል ዝበለ መገዲ ዝቐረበት ሕታም እያ። ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ እውን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ተጠቒምካ ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባርን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕን ዚሕግዝ ተወሳኺ ሓሳባትን ጥቕስታትን ክንረክብ ንኽእል ኢና።

ናብ ህይወት እትወስድ ሓንቲ መገዲ ጥራይ እያ ዘላ። (ማቴ 7:13, 14) እተፈላለየ ሃይማኖትን ድሕረ ባይታን ንዘለዎም ሰባት ስለ እንዛረብ፡ ንነፍሲ ወከፎም ብውልቂ ኺስሕቦም ዚኽእል ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ከነርእዮም ኣሎና። (1ጢሞ 2:4) ብእተፈላለየ ኣርእስትታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ኽኢላታት ብምዃን ‘ንቓል ሓቂ ብቕኑዕ ብምጥቃም’ ዝመጸ ኽእለትና ምስ ዚመሓየሽ፡ ሓጐስና ይውስኽ፡ ሓቂ ንኻልኦት ኣብ ምምሃር ድማ ዕዉታት ንኸውን።—2ጢሞ 2:15።

ሓደ ሓው ንሓደ መንእሰይ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ የርእዮ

ነዚ ሓድሽ ኣቀራርባ ኣብዚ ዚስዕብ መዳያት ተጠቐመሉ፦

  • ኣብ በቤት ክትሰብኽ ከለኻ

  • ዘይወግዓዊ ምስክርነት ክትህብ ከለኻ

  • መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጀምር ከለኻ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ