ኣብ ኢጣልያ ኣብ በቤት ይሰብኩ
ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
ግምቢ ዘብዐኛ
ሕቶ፦ ሞት ፍቓድ ኣምላኽ ድዩ፧
ጥቕሲ፦ ራእ 21:4
መፋለጢ፦ እዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ህይወትን ሞትን እንታይ ከም ዚብል ትገልጽ።
ሓቂ ምሃር
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ እዩ ዚምራሕ፧
መፋለጢ፦ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ‘መከራ በዚሑ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧ ስድራ ቤተይ ሕጕስቲ ኽትከውን እትኽእል ብኸመይ እያ፧’ ንዝኣመሰለ ሕቶታት ዚምልስ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ብናጻ ይምህሩ እዮም። እዛ ሓጻር ቪድዮ እዚኣ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እንመርሕ ትገልጽ። [ነታ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ እዩ ዚምራሕ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ።] ነዛ ሕታም እዚኣ ንምይይጥ ክንጥቀመላ ንኽእል ኢና። [ንሓደ ኻብቲ ንመጽናዕቲ እንጥቀመሉ ሕታማት ኣርእዮ፣ እንተ ተኻኢሉ ኸኣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚምራሕ ኣርእዮ።]
ናይ ርእስኻ ኣቀራርባ ኣዳሉ
ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣቀራርባ ኣገልግሎት ወፍሪ ንምድላው፡ ነቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኣብነታት ተጠቐም።