ኣብ ጋና ብስራት የበስሩ
ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
ግምቢ ዘብዐኛ
ሕቶ፦ ገሊኦም ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ግዜ ዝሓለፎ እዩ ይብሉ፣ ካልኦት ግና ሕጂ እውን እንተ ዀነ ጠቓሚ ኸም ዝዀነ ይኣምኑ። ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧
ጥቕሲ፦ 2ጢሞ 3:16, 17
መፋለጢ፦ እዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ፡ ኣብነታት ግብራዊ ጥበብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጕልሕ፣ ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስካ ዝበለጸ ነገር ብኸመይ ከም እትረክብ እውን ሓሳብ ትህብ።
ሓቂ ምሃር
ሕቶ፦ መወዳእታ ዓለም ቀሪቡ ድዩ፧
ሓቂ፦ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግዜ መወዳእታ ንነብር ከም ዘለና ይሕብር። እዚ ግና ብስራት እዩ፣ ከመይሲ፡ ኣብ ቅድሜና ዝበለጸ ግዜ እዩ ዚጽበየና ዘሎ።
ብስራት ኣምላኽ
መፋለጢ፦ ብናጻ ብዛዕባ እንህቦ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክነግረካ እየ መጺአ። እዛ ብሮሹር እዚኣ፡ ኣገዳሲ ንዝዀነ ሕቶታት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ምላሽ ክትረኽበሉ ኸም እትኽእል ትሕብር።
ሕቶ፦ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢብካ ትፈልጥዶ፧ እቲ ትምህርትታት ኣብዛ ብሮሹር እዚኣ ኽሳዕ ክንደይ ብቐሊል መገዲ ኸም እተገልጸ ኸርእየካ። “ንኣምላኽ ከነምልኾ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧”
ጥቕሲ፦ ራእይ 4:11
ናይ ርእስኻ ኣቀራርባ ኣዳሉ
ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣቀራርባ ኣገልግሎት ወፍሪ ንምድላው፡ ነቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኣብነታት ተጠቐም።