ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb17 ነሓሰ ገጽ 8
  • ኣብ ዚቕጽል ሓጋዚ ፈላሚ ክኸውን ዝኽእል መዓስ እየ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ዚቕጽል ሓጋዚ ፈላሚ ክኸውን ዝኽእል መዓስ እየ፧
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2017
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ድኻ ኽነሳ ሕጉስትን ትስፉውትን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ንሓድሽ ዓመት ኣገልግሎት ዚኸውን ዚነኣድ ሸቶ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
  • 1,000 ሓገዝቲ ፓይነራት ይድለዩ ኣለዉ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
  • ንየሆዋ እንውድሰሉ ተወሳኺ ኣጋጣሚታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2017
mwb17 ነሓሰ ገጽ 8

ክርስትያናዊ ህይወት

ኣብ ዚቕጽል ሓጋዚ ፈላሚ ክኸውን ዝኽእል መዓስ እየ፧

እቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ቤተ መቕደስ፡ ህዝቢ የሆዋ መስዋእቲ ፍታው ኪህቡ ኸም ዘለዎም ይሕብር። ብውልቅና መስዋእቲ ውዳሰ ኣብ ምቕራብ ክንካፈል እንኽእል ብኸመይ ኢና፧—እብ 13:15, 16።

ሓደ ኻብቲ ኣገልግሎትና ኸነስፍሓሉ እንኽእለሉ ብሉጽ መገዲ፡ ሓጋዚ ፈላሚ ዄንካ ምግልጋል እዩ። ዓመት ኣገልግሎት 2018፡ ሓሙሽተ ቐዳም ወይ ሓሙሽተ ሰንበት ዝሓዘ ኣዋርሕ ኣለዎ። እዚ ድማ ብፍላይ ነቶም ምሉእ መዓልቲ ዓለማዊ ስራሕ ስለ ዚሰርሑ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ጥራይ ኣብ ኣገልግሎት ኪካፈሉ ዚኽእሉ ሓጋዚ እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣስፋሕቲ ኣብ መጋቢትን ኣብ ሚያዝያን ከምኡ እውን ሓላው ወረዳ ኣብ ዚበጽሓሉ ወርሒ፡ ን30 ሰዓት ወይ ን50 ሰዓት ኬገልግሉ ኺመርጹ ይኽእሉ እዮም።

ይኹን እምበር፡ ኵነታትና ሓገዝቲ ፈለምቲ ዄንና ኸነገልግል እንተ ዘይፈቒዱልናኸ፧ መዳያት ኣገልግሎትና ኸነመሓይሽ ክንጽዕርን ምናልባት እውን እነገልግለሉ ሰዓታት ክብ ከነብል ንኽእል ኢና። ሃየ እምበኣር፡ ኵነታትና ብዘየገድስ፡ ኣብ ዓመት ኣገልግሎት 2018 በታ ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ተደሪኽና እቲ ዝበለጸ ንዕኡ ንሃቦ!—ሆሴ 14:2።

ሳቢና ሀርናንደዝ ብኣፋ ብርዒ ሒዛ፡ መመልከቲ ሓጋዚ ፈላሚ ትፍርም

ሳቢና ሀርናንደዝ ንዘርኣየቶ ቕንኣት ክቐድሖ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧

ነታ ሳላ የሆዋ ዳርጋ ዅሉ ነገራት ክገብር እኽእል እየ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ሳቢና ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዝያዳ ኽትዓዪ ዝደረኻ እንታይ እዩ፧

  • ኣብነት ሳቢና ዜተባብዓካ ብኸመይ እዩ፧

  • ኣብ ዓመት ኣገልግሎት 2018፡ ኣብ ኣየነይቲ ወርሒ ወይ ኣብ ኣየኖት ኣዋርሕ ሓጋዚ ፈላሚ ዄንካ ኸተገልግል ትኽእል፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ