ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb17 ታሕሳስ ገጽ 7
  • ናይ ሓቂ ፍቕሪ እንታይ እያ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ሓቂ ፍቕሪ እንታይ እያ፧
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2017
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንስድራ ቤት ዚኸውን ተወሳኺ ሓገዝ
    ንቕሑ!—2018
  • ንሓዳርካ ሓልዎ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምምርዓውን ዘይምምርዓውን እንታይ ይብል፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2017
mwb17 ታሕሳስ ገጽ 7

ክርስትያናዊ ህይወት

ናይ ሓቂ ፍቕሪ እንታይ እያ፧

የሆዋ ንመውስቦ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ነባሪ ማእሰር ከም ዚኸውን ገይሩ እዩ ፈጢርዎ። (ዘፍ 2:22-24) ሰብ ሓዳር ኪፋትሑ ዚኽእሉ፡ ብምኽንያት ምንዝርና ጥራይ እዮም። (ሚል 2:16፣ ማቴ 19:9) የሆዋ፡ ሰብ ሓዳር ምስ መጻምድቶም ተሓጒሶም ኪነብሩ ስለ ዚደልዮም፡ ክርስትያናት ንመጻምድቶም ብጥበብ ኪመርጹን ዜሐጕስ ሓዳር ኪምስርቱን ዚሕግዞም መሰረታዊ ስርዓታት ሂብዎም እዩ።—መክ 5:4-6።

ነታ ዋት ኢዝ ትሩ ላቭ (ናይ ሓቂ ፍቕሪ እንታይ እያ፧) ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ፍራንክ ንጓሉ ሊዝ የዛርባ

    እቲ ፍራንክን ቦኒን ንሊዝ ጓሎም ዝሃብዋ ማዕዳ፡ ጥበባውን ፍቕራውን ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

  • ንሓዳር እንሓስቦ ሰብ፡ ድሕሪ ግዜ ንባህርዩ ኽንቅይሮ ኸም እንኽእል ምሕሳብ ጥበባዊ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

  • ፖልን ፕሪሲላን ንሊዝ እንታይ ጥበባዊ ምኽሪ እዮም ሂቦምዋ፧

  • ዛክን ሜጋንን ኣብ ኣኼባ ጉባኤ

    ዛክን ሜጋንን ኣብ ሓዳሮም ጸገማት እተፈጥረ ስለምንታይ እዩ፧

  • ሊዝን ጆንን ኣብ ኣኼባ ጉባኤ

    ጆንን ሊዝን ዝነበሮም ተመሳሳሊ ሸቶ እንታይ እዩ፧

  • ምስቲ ኽትምርዓዎ ዝሓሰብካዮ ሰብ ቃል ኪዳን ቅድሚ ምትእትታውካ፡ ነቲ “ኣብ ልቢ ዘሎ ሕቡእ ሰብ” ክትፈልጦ ዘሎካ ስለምንታይ እዩ፧ (1ጴጥ 3:4)

  • ናይ ሓቂ ፍቕሪ እንታይ እያ፧ (1ቈረ 13:4-8)

ክርስትያናት ብዛዕባ ወረዘ ዚገልጽ ተወሳኺ ሓሳባት ካበይ ኪረኽቡ ይኽእሉ፧

  • ፕሪፕየሪን ፎር ማሬጅ (ንሓዳር ምድላው) ዘርእስቱ ተኸታታሊ ቪድዮታት JW Broadcasting

  • ናይ ሓቂ ፍቕሪ ድዩ ወይስ ኣይኰነን፧ ዘርእስታ ቪድዮ JW.ORG

  • መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 1ይን 2ይን ጥራዝ

  • መሐበሪ ምርምር ናይ የሆዋ መሰኻኽር (ኣብ ትሕቲ “ናብራ ስድራ ቤት፡” ኣብ “ወረዘ” ርአ።)

ሰብ ሓዳር ንሓዳሮም ዚጠቅም ምኽሪ ኻበይ ኪረኽቡ ይኽእሉ፧

  • ዓንቀጻት JW.ORG (ኣብ ትሕቲ BIBLE TEACHINGS > HELP FOR THE FAMILY ርአ።)

  • ብሮሹር ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ

  • መጽሓፍ መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት

  • መሐበሪ ምርምር ናይ የሆዋ መሰኻኽር (ኣብ ትሕቲ “ናብራ ስድራ ቤት፡” ኣብ “መውስቦ” ርአ።)

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ