ክርስትያናዊ ህይወት
ናይ ሓቂ ፍቕሪ እንታይ እያ፧
የሆዋ ንመውስቦ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ነባሪ ማእሰር ከም ዚኸውን ገይሩ እዩ ፈጢርዎ። (ዘፍ 2:22-24) ሰብ ሓዳር ኪፋትሑ ዚኽእሉ፡ ብምኽንያት ምንዝርና ጥራይ እዮም። (ሚል 2:16፣ ማቴ 19:9) የሆዋ፡ ሰብ ሓዳር ምስ መጻምድቶም ተሓጒሶም ኪነብሩ ስለ ዚደልዮም፡ ክርስትያናት ንመጻምድቶም ብጥበብ ኪመርጹን ዜሐጕስ ሓዳር ኪምስርቱን ዚሕግዞም መሰረታዊ ስርዓታት ሂብዎም እዩ።—መክ 5:4-6።
ነታ ዋት ኢዝ ትሩ ላቭ (ናይ ሓቂ ፍቕሪ እንታይ እያ፧) ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
እቲ ፍራንክን ቦኒን ንሊዝ ጓሎም ዝሃብዋ ማዕዳ፡ ጥበባውን ፍቕራውን ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧
ንሓዳር እንሓስቦ ሰብ፡ ድሕሪ ግዜ ንባህርዩ ኽንቅይሮ ኸም እንኽእል ምሕሳብ ጥበባዊ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧
ፖልን ፕሪሲላን ንሊዝ እንታይ ጥበባዊ ምኽሪ እዮም ሂቦምዋ፧
ዛክን ሜጋንን ኣብ ሓዳሮም ጸገማት እተፈጥረ ስለምንታይ እዩ፧
ጆንን ሊዝን ዝነበሮም ተመሳሳሊ ሸቶ እንታይ እዩ፧
ምስቲ ኽትምርዓዎ ዝሓሰብካዮ ሰብ ቃል ኪዳን ቅድሚ ምትእትታውካ፡ ነቲ “ኣብ ልቢ ዘሎ ሕቡእ ሰብ” ክትፈልጦ ዘሎካ ስለምንታይ እዩ፧ (1ጴጥ 3:4)
ናይ ሓቂ ፍቕሪ እንታይ እያ፧ (1ቈረ 13:4-8)