ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ማርቆስ 13-14
ብፍርሂ ሰብ ከይትፍንጠር ተጠንቀቕ
ሃዋርያት ብፍርሂ ሰብ እተሰነፉ ስለምንታይ እዮም፧
እምብዛ ብርእሶም ይተኣማመኑ ነበሩ። ጴጥሮስ ካብ ካልኦት ሃዋርያት ብዝበለጸ ንየሱስ እሙን ከም ዚኸውን እውን ከይተረፈ ተሰሚዕዎ ነይሩ
ነቒሖም ኣይጸለዩን
ድሕሪ ትንሳኤ የሱስ፡ እዞም እተነስሑ ሃዋርያት ተቓውሞ እናኣጋጠሞም ክነሱ ፍርሂ ሰብ ኣሰኒፎም ኪሰብኩ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧
ትብዓትና ዚፍትን እንታይ ኵነታት ኬጋጥመና ይኽእል፧