ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ሉቃስ 12-13
“ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ጨራሩ ትበልጹ ኢኹም”
ኣብ ከባቢ እቲ የሱስ ኣብ ሉቃስ 12:6, 7 እተዛረቦ ቓላት ዘሎ ሓሳብ እንታይ እዩ ዚብል፧ ኣብ ፍቕዲ 4፡ የሱስ ንሰዓብቱ ኺጻረርዎም ወይ ኪቐትልዎም ንዚኽእሉ እውን ከይተረፈ ኺፈርህዎም ከም ዘይብሎም ከም ዝነገሮም ነንብብ። የሱስ ነቲ ጸኒሑ ንደቀ መዛሙርቱ ኼጋጥሞም ዚኽእል ምጽራር እዩ ዜዳልዎም ነይሩ።
ነቶም እተሰጕጉ ሓልዮት ብምርኣይ ንየሆዋ ኽንመስሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
ብዛዕባ እቶም ምእንቲ እምነቶም እተኣስሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንጹር ሓበሬታ ኽንረክብ እንኽእል ካበይ ኢና፧
ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ክንደይ እዮም፧