ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዮሃንስ 20-21
“ካብዚኣቶም ኣብሊጽካዶ ተፍቅረኒ ኢኻ፧”
ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዕዉታት ገፈፍቲ ዓሳ፡ ጥቕሚ ኺረኽቡ ኢሎም ኣብ ዚገብርዎ ዝነበሩ ጻዕሪ፡ ዕጉሳት፡ ህርኩታት፡ ጸገማት ንምጽዋር ድማ ፍቓደኛታት ነበሩ። (w12 1/8 18-20) ከምዚ ዝኣመሰለ ባህርያት፡ ጴጥሮስ ዕዉት ገፋፍ ሰብ ምእንቲ ኪኸውን ኪሕግዞ ይኽእል ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ጴጥሮስ ኣብ ህይወቱ ቐዳምነት ብዛዕባ ዚህቦ ነገር ኪመርጽ ነይርዎ፣ ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ካብቲ ዚፈትዎ ዓለማዊ ስራሑ ወይ ካብቲ ንሰዓብቲ የሱስ ብመንፈሳዊ መዳይ ናይ ምምጋብ ስራሕ፡ ሓዲኡ ኺመርጽ ነይርዎ።
ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ምእንቲ ኽትህብ እንታይ ምትዕርራያት ጌርካ፧