ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ግብሪ ሃዋርያት 1-3
ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ መንፈስ ቅዱስ ፈሰሰ
እቶም ብጰንጠቈስጠ ናይ 33 ድ.ክ. ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ብዙሓት ኣይሁድ፡ ካብ ካልኦት ዓድታት እዮም መጺኦም። (ግብ 2:9-11) ሕጊ ሙሴ ይሕልዉ እኳ እንተ ነበሩ፡ ምሉእ ዕድሚኦም ኣብ ምድሪ ጓና እዮም ዚቕመጡ ነይሮም። (ኤር 44:1) ስለዚ፡ ገለ ኻባታቶም ብትርኢቶምን ብኣዛራርባኦምን ኣይሁድ ዘይኰኑስ፡ ደቂ እቲ ዚነብሩሉ ዝነበሩ ዓዲ ይመስሉ ነይሮም ይዀኑ እዮም። ካብቶም ካብ እተፈላለየ ዓሌት ዝመጹ ህዝቢ፡ 3,000 ዝዀኑ ምስ ተጠምቁ፡ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኸይተሓስበ ብዙሕ እተፈላለየ ዓሌት ዘለዉዋ ጉባኤ ዀነት። እዞም ክርስትያናት እዚኦም ካብ እተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዝመጹ ኽነሶም፡ “ኣብ ቤተ መቕደስ ከየብኰሩ ብሓባር ይእከቡ ነበሩ።”—ግብ 2:46።
ነዞም ዚስዕቡ ናይ ሓቂ ተገዳስነት ከተርእዮም እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
ኣብ ክልኻ ንዘለዉ ኻብ ካልእ ሃገር ዝመጹ ሰባት
ኣብ ጉባኤኻ ንዘለዉ ኻብ ካልእ ሃገር ዝመጹ ኣሕዋትን ኣሓትን