ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ግብሪ ሃዋርያት 25-26
ጳውሎስ ናብ ቄሳር ይግባይ በለ፡ ንንጉስ ሄሮድስ ኣግሪጳ ድማ መስከረሉ
‘ኣብ ቅድሚ ሹማምንትን ነገስታትን ክንቀርብ’ ከለና እንታይ ከም እንብል ክንጭነቕ እኳ እንተ ዘይብልና፡ ብዛዕባ ተስፋና ምኽንያት ንዚሓትተና ዘበለ ‘ምላሽ ንምሃብ እተዳሎና’ ኽንከውን ግና ኣሎና። (ማቴ 10:18-20፣ 1ጴጥ 3:15) ተጻረርቲ “ብስም ሕጊ ሽግር” ኣብ ዚምህዙሉ እዋን፡ ኣብነት ጳውሎስ ክንስዕብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧—መዝ 94:20።
ነቲ ብስራት ምእንቲ ኽንማጐተሉ፡ ሕጋዊ መገድታት ክንጥቀም ንኽእል ኢና።—ግብ 25:11
ምስ ሰበ ስልጣን ክንዘራረብ ከለና ኣኽብሮት ከነርኢ ኣሎና።—ግብ 26:2, 3
ግቡእ ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ ንሕናን ካልኦትን ካብቲ ብስራት ብኸመይ ከም እተጠቐምና ንገልጽ ኢና።—ግብ 26:11-20