ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ግብሪ ሃዋርያት 23-24
መትከርን መናዓብን ተባሂሉ ተኸስሰ
እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ኣይሁድ ንጳውሎስ ንምቕታል “ብመርገም ተመሓሓሉ።” (ግብ 23:12) ይኹን እምበር፡ ጳውሎስ ናብ ሮሜ ኸይዱ ምስክርነት ኪህብ ፍቓድ የሆዋ እዩ ነይሩ። (ግብ 23:11) ወዲ ሓብቱ ንጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ውዲት ሰሚዑ ንጳውሎስ ስለ ዝነገሮ፡ በዚ ኸምዚ ጳውሎስ ካብ ሞት ደሓነ። (ግብ 23:16) እዚ ጸብጻብ እዚ፡ ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ እንታይ ይምህረና፧
ዕላማ ኣምላኽ ንምትዕንቓፍ ፈተነ ኺግበር ከሎ፡ እንታይ ከም ዚኸውን
ኣምላኽ፡ ንዓና ንምሕጋዝ እንታይ ወይ ንመን ከም ዚጥቀም
ትብዓት