ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 1 ተሰሎንቄ 1-5
“ንሓድሕድኩም ተተባብዑን ተሃናነጹን”
ዝዀነ ይኹን ክርስትያን ንኻልኦት ኬተባብዕ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ጸገም ጥዕና ወይ ካልእ ጸገማት እናሃለወና ኽነሱ፡ “ብኽንደይ ገድሊ” ብተኣማንነት ኣብ ኣኼባታት ምስ እንእከብን ኣብ ኣገልግሎት ምስ እንካፈልን ንክርስትያናት ብጾትና ኸነተባብዖም ንኽእል ኢና። (1ተሰ 2:2፡ እ.ጽ.) ብዘይካዚ፡ ኣቐዲምና እንተ ሓሲብናሉን እተወሰነ ምርምር እንተ ጌርናን፡ ነቶም ሓገዝ ዜድልዮም ክርስትያናት ብጾትና ኸነጸናንዖም ንኽእል ኢና።
ንሓደ ጸገም ዘለዎ ሓውና ብኸመይ ከም እነተባብዖ ጠቓሚ ሓበሬታ ኻበይ ክንረክብ ንኽእል፧
ኣብ ጉባኤኹም ንመን ከተተባብዕ ትደሊ፧