ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | እብራውያን 12-13
ተግሳጽ—መርኣያ ፍቕሪ የሆዋ
ተግሳጽ ኪብሃል ከሎ መቕጻዕቲ፡ መአረምታ፡ መምርሒ፡ ትምህርቲ የመልክት። ልክዕ ከምቲ ሓደ ፈቃር ኣቦ ንደቁ ዚግስጾም፡ የሆዋ እውን ይግስጸና እዩ። ተግሳጽ በዚ ዚስዕብ ኣቢሉ ይውሃበና፦
ብንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብብሕታዊ መጽናዕቲ፡ ብኣኼባ፡ ብምስትንታን
ካብ ክርስትያን ብጻይና ብዚውሃበና ምኽሪ ወይ ብመአረምታ
ጌጋታትና ብዜስዕቦ ሳዕቤን
ካብ ኮሚተ ፍርዲ ብዚውሃብ መግናሕቲ ወይ ውገዳ
የሆዋ ብዝፈቐዶ ፈተናታት ወይ ስደት።—w15 15/9 21 ¶13፣ it-1-E 629