ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘፍጥረት 22-23 “ኣምላኽ ንኣብርሃም ፈተኖ” 22:1, 2, 9-12, 15-18 እቲ ኣብርሃም ንወዱ ይስሃቅ ኪስውኦ ኺዳሎ ኸሎ እተሰምዖ ስቓይ፡ የሆዋ ንወዱ የሱስ ክርስቶስ በጃ ገይሩ ኬቕርቦ ኸሎ ንእተሰምዖ ስቓይ ክንግምቶ ይሕግዘና እዩ። (ዮሃ 3:16) ከምቲ ኣብ ፍቕዲ 2 ተገሊጹ ዘሎ፡ ካብቲ የሆዋ እተሰምዖ ስምዒት እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ ፍቕሪ የሆዋ ብኸመይ ደሪኹካ፧—1ቈረ 6:20፣ 1ዮሃ 4:11