ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘፍጥረት 27-28 ያእቆብ ምርቓ ረኸበ 27:6-10, 18, 19, 27-29 እቲ ይስሃቅ ንያእቆብ ዝመረቖ ምርቓ ትንቢታዊ እዩ ነይሩ። 27:28—የሆዋ ንዘርኢ ያእቆብ፡ “ጸባን መዓርን እተውሕዝ” ፍርያም ምድሪ ሃቦም።—ዘዳ 26:15 27:29—እስራኤላውያን (ዘርኢ ያእቆብ) ካብ ኤዶማውያን (ዘርኢ ኤሳው) ዝሓየሉ ዀኑ።—ዘፍ 25:23፣ 2ሳሙ 8:14 27:29—ኤዶማውያን ንእስራኤላውያን ስለ ዝጸልእዎም ተረግሙ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ብደረጃ ህዝቢ ጠፍኡ።—ህዝ 25:12-14