ክርስትያናዊ ህይወት
ንምሉእ እቲ ትሕዝቶ ኽትርድኦ ፈትን
ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ፡ ንምሉእ እቲ ትሕዝቶ ኽትርድኦ ፈትን። ኣብ ከባቢ እቲ ጥቕሲ ብዛዕባ ዘሎ ሓሳባትን ብዛዕባ እቶም ሰባትን ብዛዕባ እቲ ንዝፈጽምዎ ተግባር ዝደረኾም ነገራትን ፍለጥ። ብኣእምሮኻ ነቲ ትርኢት ርኣዮ፡ ነቲ ደሃይ ስምዓዮ፡ ነቲ ጨና ኣሸትቶ፡ ስምዒት እቶም ሰባት ድማ ከም ዚስምዓካ ግበር።
ነታ ንንባብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣመሓይሾ—ቍንጽል ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
ነቲ ኣብ መንጎ ዮሴፍን ኣሕዋቱን ዝነበረ ዘይምቅዳው ኣበርክቶ ዝገበረ እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧
ኣሕዋት ዮሴፍ ብስምዒት ተላዓዒሎም ሕማቕ ነገር ኪገብሩ ዝደረኾም እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧
ካብቲ ጥቕስታት ብዛዕባ ያእቆብ ኣቦ ዮሴፍ እንታይ ከነስተውዕል ንኽእል፧
ያእቆብ ንደቁ፡ ንዘይምርድዳእ ብኸመይ ከም ዜደቅሱ እንታይ ጽቡቕ ትምህርቲ እዩ ሂብዎም፧
ነዛ ቪድዮ እዚኣ ብምርኣይካ ብኸመይ ተጠቒምካ፧