ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘጸኣት 4-5
‘ክትዛረብ ከለኻ ምሳኻ ክኸውን እየ’
ሙሴ ብሓገዝ የሆዋ ንፍርሁ ኼሰንፍ ክኢሉ እዩ። ካብቲ የሆዋ ንሙሴ ዝበሎ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧
ከም ዘይንበቅዕ ኰይኑ ንዚስምዓና ስምዒት ኪቈጻጸረና ኣይንፍቀደሉ
ዕዮና ምእንቲ ኽንፍጽም፡ የሆዋ ዘድልየና ዘበለ ኸም ዜማልኣልና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና
ኣብ ኣምላኽ ዘሎና እምነት፡ ንፍርሂ ሰብ ከነሰንፍ ይሕግዘና
የሆዋ፡ ኣብ ኣገልግሎት ንዜጋጥመኒ ጸገማት ክዋጽኣሉ ዝሓገዘኒ ብኸመይ እዩ፧