ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘጸኣት 13-14
ጸኒዕኩም ቁሙ፡ ድሕነት የሆዋ ኸኣ ርኣዩ
የሆዋ ሓላዪ መድሓኒ እዩ። እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ኺወጹ ኸለዉ፡ ዝሓለየሎም ብኸመይ እዩ፧
ወዲብዎም እዩ።—ዘጸ 13:18
መሪሕዎምን ኣዕቊብዎምን እዩ።—ዘጸ 14:19, 20
ንንኣሽቱ ዀነ ንዓበይቲ፡ ንዅሎም ህዝቡ ኣድሒንዎም እዩ።—ዘጸ 14:29, 30
እቲ ብርቱዕ ጸበባ ኪቐርብ ከሎ፡ ብምንታይ ክትተኣማመን ትኽእል፧—ኢሳ 30:15