ክርስትያናዊ ህይወት
ፈላሚ ዄንካ ብምግልጋል ንየሆዋ ወድሶ
እስራኤላውያን ንየሆዋ ዚውድስሉ ኣገዳሲ ምኽንያት ነይርዎም እዩ። ከመይሲ፡ ካብ ግብጺ ሓራ ኣውጺእዎምን ካብ ሰራዊት ፈርኦን ኣድሒንዎምን እዩ። (ዘጸ 15:1, 2) የሆዋ ንህዝቡ ወትሩ ሰናይ ይገብረሎም እዩ። እሞ ደኣ ሞሳና ብኸመይ ክንገልጸሉ ንኽእል፧—መዝ 116:12።
ሞሳና እንገልጸሉ ሓደ መገዲ፡ ሓጋዚ ወይ ስሩዕ ፈላሚ ብምዃን እዩ። ፈላሚ ዄንካ ምእንቲ ኸተገልግል ድሌትን ዓቕምን ኪውሃበካ ኽትጽሊ ትኽእል ኢኻ። (ፊል 2:13) ሓያሎ፡ ሓገዝቲ ፈለምቲ ዀይኖም እዮም ዚጅምሩ። ኣብ ወርሒ መጋቢትን ሚያዝያን ከምኡ እውን ሓላው ወረዳ ኣብ ዚበጽሓሉ ወርሒ፡ 30 ወይ 50 ሰዓት ከተገልግል ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ሓጋዚ ፈላሚ ብምዃን ዚርከብ ሓጐስ ምስ ጠዓምካዮ፡ ስሩዕ ፈላሚ ዄንካ ኸተገልግል መደብ ከተውጽእ ትኽእል ኢኻ። ገሊኦም ናይ ምሉእ ግዜ ስራሕ እናሰርሑ ወይ ናይ ጥዕና ጸገም እናሃለዎም ክነሱ፡ ስሩዓት ፈለምቲ ዀይኖም የገልግሉ ኣለዉ። (mwb16.07 8) ብርግጽ እምበኣር፡ የሆዋ ነቲ ንዕኡ ንምውዳስ ኢልና እንገብሮ ጻዕሪ ኣኽቢሩ ይርእዮ እዩ።—1ዜና 16:25።
ነታ ሰለስተ ኣሓት ኣብ ሞንጎልያ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
እተን ሰለስተ ኣሓት፡ ፈለምቲ ንምዃን እንታይ ጸገማት እየን ሰጊረን፧
እንታይ በረኸት ረኺበን፧
ስሩዓት ፈለምቲ ዀይነን ብምግልጋለን፡ እንታይ ካልእ መዳያት ኣገልግሎት እዩ ተኸፊቱለን፧
በቲ ሰናይ ኣብነተን ንኻልኦት እንታይ ጽልዋ ኣሕዲረናሎም፧