ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb20 ነሓሰ ገጽ 5
  • ፈላሚ ዄንካ ብምግልጋል ንየሆዋ ወድሶ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ፈላሚ ዄንካ ብምግልጋል ንየሆዋ ወድሶ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • 1,000 ሓገዝቲ ፓይነራት ይድለዩ ኣለዉ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
  • ንየሆዋ እንውድሰሉ ተወሳኺ ኣጋጣሚታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
  • ንሓድሽ ዓመት ኣገልግሎት ዚኸውን ዚነኣድ ሸቶ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
  • ኣገልግሎትካ ንምስፋሕ፡ ካብ ሕጂ መድብ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
mwb20 ነሓሰ ገጽ 5
ሓደ ሓው ንሓደ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሰብኣይ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት የንብበሉ።

ክርስትያናዊ ህይወት

ፈላሚ ዄንካ ብምግልጋል ንየሆዋ ወድሶ

እስራኤላውያን ንየሆዋ ዚውድስሉ ኣገዳሲ ምኽንያት ነይርዎም እዩ። ከመይሲ፡ ካብ ግብጺ ሓራ ኣውጺእዎምን ካብ ሰራዊት ፈርኦን ኣድሒንዎምን እዩ። (ዘጸ 15:1, 2) የሆዋ ንህዝቡ ወትሩ ሰናይ ይገብረሎም እዩ። እሞ ደኣ ሞሳና ብኸመይ ክንገልጸሉ ንኽእል፧—መዝ 116:12።

ሞሳና እንገልጸሉ ሓደ መገዲ፡ ሓጋዚ ወይ ስሩዕ ፈላሚ ብምዃን እዩ። ፈላሚ ዄንካ ምእንቲ ኸተገልግል ድሌትን ዓቕምን ኪውሃበካ ኽትጽሊ ትኽእል ኢኻ። (ፊል 2:13) ሓያሎ፡ ሓገዝቲ ፈለምቲ ዀይኖም እዮም ዚጅምሩ። ኣብ ወርሒ መጋቢትን ሚያዝያን ከምኡ እውን ሓላው ወረዳ ኣብ ዚበጽሓሉ ወርሒ፡ 30 ወይ 50 ሰዓት ከተገልግል ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ሓጋዚ ፈላሚ ብምዃን ዚርከብ ሓጐስ ምስ ጠዓምካዮ፡ ስሩዕ ፈላሚ ዄንካ ኸተገልግል መደብ ከተውጽእ ትኽእል ኢኻ። ገሊኦም ናይ ምሉእ ግዜ ስራሕ እናሰርሑ ወይ ናይ ጥዕና ጸገም እናሃለዎም ክነሱ፡ ስሩዓት ፈለምቲ ዀይኖም የገልግሉ ኣለዉ። (mwb16.07 8) ብርግጽ እምበኣር፡ የሆዋ ነቲ ንዕኡ ንምውዳስ ኢልና እንገብሮ ጻዕሪ ኣኽቢሩ ይርእዮ እዩ።—1ዜና 16:25።

ነታ ሰለስተ ኣሓት ኣብ ሞንጎልያ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ካብታ ‘ሰለስተ ኣሓት ኣብ ሞንጎልያ’ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ ምርኢት። ሓንቲ ኻብተን ሰለስተ ፈለምቲ ኣሓት ዝዀነት ኡንድራ፡ ኣውቶቡስ ክትስቀል ትዳሎ።

    እተን ሰለስተ ኣሓት፡ ፈለምቲ ንምዃን እንታይ ጸገማት እየን ሰጊረን፧

  • ካብታ ‘ሰለስተ ኣሓት ኣብ ሞንጎልያ’ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ ምርኢት። ሓንቲ ኻብተን ሰለስተ ፈለምቲ ኣሓት ዝዀነት ኦዩን፡ ኣብ ቤት-ኤል መመገቢ ኽፍሊ ትዓዪ።

    እንታይ በረኸት ረኺበን፧

  • ካብታ ‘ሰለስተ ኣሓት ኣብ ሞንጎልያ’ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ ምርኢት። ሓንቲ ኻብተን ሰለስተ ፈለምቲ ኣሓት ዝዀነት ዶርጅክሃንድ፡ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ንሓደ ሰብኣይ ትሰብከሉ።

    ስሩዓት ፈለምቲ ዀይነን ብምግልጋለን፡ እንታይ ካልእ መዳያት ኣገልግሎት እዩ ተኸፊቱለን፧

  • ካብታ ‘ሰለስተ ኣሓት ኣብ ሞንጎልያ’ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ ምርኢት። እተን ሰለስተ ፈለምቲ ኣሓትን ኣዲአንን።

    በቲ ሰናይ ኣብነተን ንኻልኦት እንታይ ጽልዋ ኣሕዲረናሎም፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ