ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb20 ጥቅምቲ ገጽ 8
  • መንግስቲ ኣምላኽ ንምእዋጅ ኣብ ሕዳር ዚግበር ፍሉይ ወፈራ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መንግስቲ ኣምላኽ ንምእዋጅ ኣብ ሕዳር ዚግበር ፍሉይ ወፈራ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ መስከረም ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንምእዋጅ ዚግበር ፍሉይ ወፈራ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • ዝሓሸት ዓለም ቀሪባ እያ! ዚብል ብስራት ስበኽ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
  • ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርባት
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
  • ዜና መንግስቲ ቍ. 35 ሰፊሕ ዝርጋሐ ከም እትረክብ ግበር
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
mwb20 ጥቅምቲ ገጽ 8
ሓደ ሓውን ሓንቲ ሓብትን ጥቓ ምስክርነት ዓረብያ ዀይኖም ንሰባት የዘራርቡ። ሓንቲ ዓረብያ፡ ‘ግምቢ ዘብዐኛ’ ቍ. 2 2020 ተፋልጥ።

ክርስትያናዊ ህይወት

መንግስቲ ኣምላኽ ንምእዋጅ ኣብ ሕዳር ዚግበር ፍሉይ ወፈራ

‘መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧’ ዘርእስታ ‘ግምቢ ዘብዐኛ’ ቍ. 2 2020

የሱስ “ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ” ኣዊጁ እዩ። (ሉቃ 4:43) ብዘይካዚ፡ ሰባት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኪጽልዩ ምሂርዎም እዩ። (ማቴ 6:9, 10) ኣብ ወርሒ ሕዳር፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ክንእውጅ ፍሉይ ጻዕሪ ኽንገብር ኢና። (ማቴ 24:14) ኣብዚ ወፈራ እዚ፡ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽትሳተፍ መደባትካ ኣተዓራሪ። ኵሎም እቶም ኣብዛ ወርሒ ሓገዝቲ ፈለምቲ ዚዀኑ ን30 ወይ ን50 ሰዓት ኬገልግሉ ኺመርጹ ይኽእሉ እዮም።

ብእተኻእለ መጠን ኣብ ክልኻ ንዚርከቡ ዅሎም ሰባት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምልኻ እትገልጽ ጥቕሲ ኣንብበሎም። ጥቕሲ ኽትመርጽ ኸለኻ ድማ፡ ሃይማኖታዊ ድሕረ ባይታ ሰማዕትኻ ኣብ ግምት ኣእቱ። ኣብ ናይ ፈለማ ምብጻሕ ተገዳስነት ንዘርኣየ ሰብ፡ ሓንቲ ቕዳሕ ሕታም ህዝቢ ግምቢ ዘብዐኛ፡ ቍ. 2 2020 ሃቦ። ተገዳስነት ንዘርኣየ ሰብ ብእተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ተኸታተሎ፣ ካብ ናውቲ ትምህርቲ ሓንቲ ሕታም ጌርካ ድማ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጀምር ጽዓር። ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንዅለን እተን ዚቃወማኣ መንግስትታት ክትሕምሽሸን እያ። (ዳን 2:44፣ 1ቈረ 15:24, 25) እምበኣር፡ ነዚ ፍሉይ ኣጋጣሚ ተጠቒምና ንየሆዋን ንመንግስቱን ዘሎና ተኣማንነት ነርኢ።

የሱስ ኣብ ሰማይ ኣብ ዝፋኑ ተቐሚጡ፡ ኣብ ልዕሊ ምድራዊት ገነት ንጉስ ኰይኑ ይገዝእ።

መንግስቲ ኣምላኽ ንምድሪ ናብ ገነት ክትቅይራ እያ!

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ