ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb21 መስከረም ገጽ 15
  • ዝሓሸት ዓለም ቀሪባ እያ! ዚብል ብስራት ስበኽ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዝሓሸት ዓለም ቀሪባ እያ! ዚብል ብስራት ስበኽ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መንግስቲ ኣምላኽ ንምእዋጅ ኣብ ሕዳር ዚግበር ፍሉይ ወፈራ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
  • ኣብ መስከረም ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንምእዋጅ ዚግበር ፍሉይ ወፈራ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር—ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምክፋል እተወደቡ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • ዜና መንግስቲ ቍ. 35 ሰፊሕ ዝርጋሐ ከም እትረክብ ግበር
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
mwb21 መስከረም ገጽ 15
ኣብ ገነት ዘለዉ ሰብ ሓዳር ንፈተውቶም ሰላም ይብልዎም።

ክርስትያናዊ ህይወት

ዝሓሸት ዓለም ቀሪባ እያ! ዚብል ብስራት ስበኽ

ኣብ ወርሒ ሕዳር፡ ብዛዕባ ዝሓሸት ዓለም ከም እትመጽእ ዚገልጽ ብስራት ክንእውጅ ፍሉይ ጻዕሪ ኽንገብር ኢና። (መዝ 37:10, 11፣ ራእ 21:3-5) ኣብዚ ወፈራ እዚ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽትሳተፍ መደባትካ ኣተዓራሪ። ኵሎም እቶም ኣብዛ ወርሒ ሓገዝቲ ፈለምቲ ዚዀኑ 30 ወይ 50 ሰዓት ኬገልግሉ ኺመርጹ ይኽእሉ እዮም።

ብእተኻእለካ መጠን ንብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ሓዳስ ዓለም እትምልከት ጥቕሲ ኸተንብበሎም ተዳሎ። ጥቕሲ ኽትመርጽ ከለኻ ድማ ኣብ ክልኻ ንዘለዎ ሰባት ዚስሕብ ምዃኑ ኣብ ግምት ኣእቱ። ኣብ ናይ ፈለማ ምብጻሕ ተገዳስነት ንዘርኣየ ሰብ፡ ሓንቲ ቕዳሕ ሕታም ህዝቢ ግምቢ ዘብዐኛ ቝጽሪ 2 2021 ሃቦ። ተገዳስነት ንዘርኣየ ሰብ ብእተኸኣለ መጠን ቀልጢፍካ ተኸታለሎ፣ በታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ ብሮሹር ድማ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀምሮ። “ዝሓሸ ብስራት” ብምብሳር ምሉእ ብምሉእ ትሑዛት ምዃንና ባህ ዜብልዶ ኣይኰነን!—ኢሳ 52:7።

ከም ኣማራጺ ነታ ናይ ፈለማ ምብጻሕ፦ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ—መዝ 37:10, 11 ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ

ነታ ዘ ኒው ዎርልድ ቱ ካም ዘርእስታ ናይ ፈለማ መዝሙር ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • እታ ንእሽቶ ቘልዓ ብዛዕባ እንታይ ዜደንቕ መጻኢ እያ ብኣእምሮኣ ትስእል ነይራ፧

  • ኣብታ እትመጽእ ሓዳስ ዓለም፡ ገለ ኻብቲ ኽትረኽቦ እትደሊ ነገራት እንታይ እዩ፧

  • ኣብ ተስፋኻ ምስትንታንካ፡ ኣብቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዚግበር ወፈራ ምሉእ ብምሉእ ክትካፈል ኪሕግዘካ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧—ሉቃ 6:45

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ