ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ
ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርባት
ናይ ፈለማ ምብጻሕ
ሕቶ፦ ኣምላኽ ጸሎት ይሰምዕ ድዩ፧
ጥቕሲ፦ መዝ 65:2
ንዚቕጽል፦ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንጽሊ እንኽእል፧
እዛ ጥቕሲ እዚኣ ኣብ ናውቲ ትምህርቲ እትርከበሉ ቦታ፦
ተመላሊስካ ምብጻሕ
ሕቶ፦ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንጽሊ እንኽእል፧
ጥቕሲ፦ 1ዮሃ 5:14
ንዚቕጽል፦ ኣምላኽ ንጸሎትና ብኸመይ እዩ ዚምልሶ፧
እዛ ጥቕሲ እዚኣ ኣብ ናውቲ ትምህርቲ እትርከበሉ ቦታ፦
ወፈራ ዕድመ በዓል ዝኽሪ (27 ለካቲት–27 መጋቢት)
“ሚልዮናት ሰባት ናብ ዜኽብርዎ ሓደ ፍሉይ በዓል ክንዕድመካ ኢና መጺእና [ወይ ከኣ እንድውለልካ ወይ እንጽሕፈልካ ዘለና]። እዚ ድማ ሞት የሱስ ዚኽበረሉ በዓል እዩ።” ወረቐት ዕድመ ሃቦ [ወይ ከኣ ተክስት ግበረሉ ወይ ብኢ-መይል ስደደሉ]። “እዛ ወረቐት ዕድመ እዚኣ፡ እቲ በዓል ኣብ ከባቢና ዚኽበረሉ ሰዓትን ቦታን ትሕብር እያ [ወይ ከኣ ብኦንላይን ክትርከብ ትኽእል ኢኻ]። ኣብታ ቕድሚኣ ዘላ ሰሙን ንዚቐርብ ፍሉይ መደረ መጺእካ ኽትሰምዕ እውን ንዕድመካ።”
ንዚቕጽል (ተገዳስነት እንተ ደኣ ኣርእዩ)፦ የሱስ ዝሞተ ስለምንታይ እዩ፧