ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
ከይትዕበን እምብዛ ብርእስኻ ኸይትተኣማመንን ተጠንቀቕ
ቆራሕ ስለ እተዓበየን እምብዛ ብርእሱ ስለ እተኣማመነን፡ ካብ ስርዓት ኣምልኾ የሆዋ ዓለወ (ዘሁ 16:1-3፣ w11 15/9 27 ¶12)
ቆራሕ ብዙሕ ፍሉይ መሰላት ዝነበሮ ሕፉር ሌዋዊ እዩ ነይሩ (ዘሁ 16:8-10፣ w11 15/9 27 ¶11)
ንቆራሕ፡ እቲ ግጉይ ኣተሓሳስባኡ፡ መዓት ኣምጽኣሉ (ዘሁ 16:32, 35)
ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዝዓመምናዮ ዕማማት፡ ከም እንዕበን እምብዛ ብርእስና ኸም እንተኣማመንን ኪገብረና ኽንፈቕደሉ የብልናን። ኣብ ሓቂ ነዊሕ ብዝጸናሕና ወይ ዝያዳ ሓላፍነት ብእተዋህበና መጠን፡ ብዝያዳ ኢና ትሑታት ክንከውን ዘሎና።