ክርስትያናዊ ህይወት
ንዘይእሙናት ኣይትምሰሎም
ቆራሕን ዳታንን ኣቢራምን ንስርዓት የሆዋ ብምጽራር ዘይእሙናት ምዃኖም ኣርእዮም እዮም። የሆዋ ኸኣ ነዞም ዓለወኛታት ምስ ኵሎም ደገፍቶም ኣጥፍኦም። (ዘሁ 16:26, 27, 31-33) ንየሆዋ ዘሎና ተኣማንነት ኪፍትን ዚኽእል ነገራት እንታይ እዩ፧ ነዞም ዘይእሙናት ሰባት እዚኦም ከይንመስሎም መለበሚ ዚዀነና፡ እንታይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣብነታት ኣሎ፧
ነታ ንዘይእሙናት ኣይትምሰሎም ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
ንናድያ ፈተና ዀይንዋ ዝነበረ እንታይ እዩ፧ ተኣማንነታ ኽትሕሉ ዝሓገዛ መለበሚኸ እንታይ እዩ፧
ንሓደ ሓሪቑ ዝነበረ ሓው፡ ፈተና ዀይንዎ ዝነበረ እንታይ እዩ፧ ተኣማንነቱ ኺሕሉ ዝሓገዞ መለበሚኸ እንታይ እዩ፧
ንቴራንስ ፈተና ዀይንዎ ዝነበረ እንታይ እዩ፧ ተኣማንነቱ ኺሕሉ ዝሓገዞ መለበሚኸ እንታይ እዩ፧
ንሓደ ሓው ኣብ ቤት ትምህርቲ ፈተና ዀይንዎ ዝነበረ እንታይ እዩ፧ ተኣማንነቱ ኺሕሉ ዝሓገዞ መለበሚኸ እንታይ እዩ፧